ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርቲን ስልጠናን ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኤሌክትሮኒክስ ኮምፒተር ፕሪንተር ላፕቶፕ ኣቐሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ

ስለዚ አብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቋሒ ክተማልኡ ይግባእ

1 ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ክተቕርቡ ትክእሉ

2 ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትክእሉ

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ሰርተፊኬት TIN ክተቕርቡ ትክእሉ

4 ናይ ቫት ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትክእሉ

5 ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2008 ዓ/ም ዴክሌር ዝገበርክሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትክእሉ

6 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይኖም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሪ ኣብ ዉሽጢ 12 መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኩም መጓዓዝያ ናብ ቢሮና ክተቕርቡ ትክእሉ

7 መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ

8 ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 /ሰላሳ ብር/ እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ኣብ ኮምፕሌክስ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 333 ካብ 22/09/2008 ዓ/ም ክሰብ 7/10/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:00 እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ:

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንኤሌክትሮኒክስ ብር 5000 /ሐሙሽተ ሽሕ ብር/ ብCPO ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከተትሕዙ ትኽእሉ

10 አብ ጨረታ ተወዳዲሮም ናይ ዘሸነፍዎ ልዕሊ 5000 /ሐሙሽተ ሽሕ ብር/ ብር እንተኾይኑ ቫት 15 % ኣብ ቢሮተቖሪፅዎ ኣታዊ ይኸዉን

11 እትህብዎ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን40 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

12 እቲ ጨረታ ዕለት 7/1ጠ/2008 ልክዕ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ይኽፈት

13 ተጫረቲ ሰብ ዋና ወይም ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ምክፋት ከይዲ ጨረታ አይተኣጓጎልን ወይም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ የለን

14 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

15 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ +251344403447 ደዊልኩም ክትረክቡና ትክእሉ ምኻንኩም ንሕብር

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo