ምልክታ- ጨረታ ፕሮፎርማ
ዋኒኑ 'ፃውዒት ጨረታ ምዕዳም
❖ ጨረታ ሰነድ ቁፅሪ
❖ ዓይነት ሜላ ዕደጋ ፕሮፎርማ
❖ ዓይነት ዕደጋ ናይ ማይ ሞተራት
ንተወሳኺሓበሬታ 03444600583 ይደውሉ
ቤትፅሕፈት ል/እ/ም/ፋይናንስ ንናይ ዘፈር ቄጠባት ከይዲ ስራሕ ግልጋሎት ኤክስቴንሽን ዝውዕል ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ዓይነት ናይ ማይ ሞተራት ብፕሮፎርማ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ወይ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ።
ተቁ | ዓይነት ንብረት | መግለፂ | መዐቀኒ | ብዝሒ | ተወዳደሪ ዝመልእዎ ናይ ሓደ ዋጋ ብኣሃዝ ብቁፅሪ | ተወዳደሪ ዝመልእዎ ናይ ሓደ ዋጋ ብረደል | ጠቅላላ ርባሕ ዋጋ | |
---|---|---|---|---|---|---|---|---|
ብር | ሳን | |||||||
1 | ሞተር ማይ ዓበይቲ | ብስፐስፊኬሽን | ቁፅሪ | 39 | ||||
2 | ሞተር ማይ ማእከላይ | ብስፐስፊኬሽን | ቁፅሪ | 136 | ||||
3 | ሞተር ማይ ዓበይቲ | ብስፐስፊኬሽን | ቁፅሪ | 4 |
ስለዚ ተረትቲ ነዚ ተዘርዚሩ ዘሎ መምርሒ ተረትቲ ብምምላእ ንክትወዳደሩ ይዕድም
➢ ተጫረቲ ኣብ ዝወፀ ናይ ጨረታ እስፐስፊኬሽን ምስራዝ ምድላዝ ምቅያር ኣይፍቀድን።
➢ እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግልን የገድድን እዩ ፡፡
➢ ነዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ነጋዶ ነዚ ዓይነት ቀረብ ንካቅርቡ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ፣ መቅረባይነት መለለይ ንግዲ ፍቃድ ቁፅርን ቲን ናምበር : ጓት ዝተመዝገብለ ሰርቲፊኬት ፣ ወርሓዊ ቫት ዘእወጅሉ ኮፒ ከቅርቡ ዝኽእሉ ጥራሕ ክኾኑ ኣለዎም።
➢መክበሪ ጨረታ 110,000 /ሓደ ሚኢትን ዓሰርተን ሽሕ ብጥረ ገንዘብ፣ ወይ ብሲፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ጋራንቲ ክቕርብ ዝኽእል
➢ ንሓደ ደኩመንት ዘይምለስ ብር 200 / ክልተ ሚኢቲ ብር / ካብ ከይዲ ስራሕ ልምዓት እቶት ወረዳ ቆላ ተምቤን ሰነድ ብምግዛእ እቲ ጨረታ ሰነድ ብዝግባእ መሊኡ ክወዳደር ዝደሊ
➢ ኣብዚ ፕሮፎርማ እዚ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ኣብ ኣቅርቦት ብመጠን ብፅሬትን ብግዜን ዝተደገፈ ኮይኑ ቤት ፅሕፈትና ኣብዚ ዕድጊት 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን ስልጣን ኣለዎ
➢ ዘሸነፍኩምዎ ንብረት ብበዓል ሞያ ተቀባልነት ዝረኸበን ኣታዊ ናይ ዝኾነን ጥራሕ ክፍሊት ይፍፀመልኩም
➢ ኣብዚ ፕሮፎርማ እዚ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ክተቅርቡዎ ዘይትኽእልዎ ንብረት ምውድዳር ኣይፍቀድን
➢ ኣሸናፊ ነጋዳይ/ተወዳዳራይ ብናይ ባዕሉ መፅዓንን መራገፍን መረከቢ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስ ወ/ቆ ተምቤን ኸን
➢ ኣብዚ ጨረታ ብፊደልን ብኣሃዝን ኣብ ዝተፈቐደ ሰደቃ/ሰንጠረዥ ክምላእ ኣለዎ።
➢ ኣብ ናይ ፊደልን ኣሃዝን ናይ ፅሑፍ ኣፈላላይ እንተሃልዩ ብፊደል ዝተፅሓፈ ተቐባልነት ይህልዎ።
➢ ብፊደልን ብኣሃዝን ንፁር እንተዘይ ኮይኑ ናይ ጠቅላላ ርባሕ ዋጋ ንዝሒ ተመቒሉ ናይ ሓደ ዋጋ ንዝወሃቦ ውፅኢት ተቐባልነት ይህልዎ።
➢ ሰነድ ጨረታ ብኦርጅናል ብዝተዓሸገ ፖስታ ዝቐርብ ኮይኑ እዚ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ወይ ናይ ሕጋዊ ውክልና ፍርማን ማህተምን ክህሉ ኣለዎ።
➢ ተጫራታይ ክፍሊት ኣብ ዝፍፀመሉ እዋን ክማላእ ዝግበኦ ሰነድ ካማልእ ይግደድ።
➢ እዙ ናይ ዋጋ ዝርዝር መግለፂ እዚ ካብ ዕለት 08/ 08/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 17/ 08/2017 ዓ/ም ኣብ ዝተፈቀደ ቦታ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ዕለት 20/08/2017 ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ 4:00 ንጉሆ ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር /ፋ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ተራ ቁፅሪ 39 ዝኽፈት ይኸውን፡፡
➢ ናይ ጨረታ ዋጋ ን15 መዓልቲ ዝፀንዐ ይኸውን፡፡
➢ ተጫረቲ እቲ ጨረታ መክፈቲ ዕለት 20/08/2017 ዓ/ም ምዃኑ ፈሊጦም ድሕሪ 3ተ ናይ ጥርዓን መዓልቲ ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ውዕሊ ከም ዝኣስሩን መኽበሪ ውዕሊ ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ፖርፎርማንስ ቦንድ ድማ /10/ ናይቱ ዝሳዓርዎ ድምር ዋጋ ከትሕዙ ኣለዎም እቲ ዘትሓዝዎ መክበሪ ጨረታ ብር 110,000 ሓደ ሚኢትን ዓሰርተን ሽሕ ክሳብ ውዕሊ ዝኣስሩ ዘገልግል ኮይኑ ውዕሊ ምስ ኣስሩ መክበሪ ጨረታ ናይ ስራሕ ፖሮፎርማንስ ቦንድ/10% ምስ ኣትሓዙ ይልቀቅ፣ መኽበሪ ውዕሊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ዝተሓዝ ኮይኑ ውዕሊ ብዝኣሰርዎ መሰረት ንብረት ምስ ኣቕረቡ ይልቀቸሎም/ለን፡፡
➢ ተጫረቲ ንሓደ ዓይነት ኣቕሓ ዝመልእዎ ዋጋ ማዕረ እንተኾይኑ እቲ ንብረት ማዕረ ተማቂሎም ዘቕርቡ ምኻኖም፡፡
➢ ኣብዚ ዝሰፈረ ምስቲ ኣዋጅን መምርሕን ዝጓነፅ ቃልን ሓሳብን ከም መምርሒ ኮይኑ እየገልግልን ስዓራይ ዝኾነ መቕረባይ እቲ ንብረት ካብ ዘቕረበሉ እዋን ጀሚሩ ንዘቕረቦም ንብረታት እቲ ቤት ፅሕፈት ውሕስና የድልዮም ንዝበሎም ንብረታት ውሕስና ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ::
➢ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምምሃር ፋናንስን ናይ ዛዋዳደሮ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ ንክወስድ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።
➢ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ቆላተምቤን ተወሳኺ ሓበሬታ 0914158967 ወይ 0914214797