ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈት ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕሉ ናይ መኪና ጎማን ባትርን ስፔርን ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ካልኣይ ግዜ ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈት ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕሉ ናይ መኪና ጎማን ባትርን ስፔርን ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኸትወዳደሩ ንዕድም ።

ተደለይቲ ረቛሒታት

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቈዕሪ ፣ ናይ መቅረባይነት ሰርትፊኬት፣ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ናይ ቀረባ ወርሒ ቫት ሪፖርት ዘለዎምን ከቅርቡ ዝኽእሉን ።

2. መኸበሪ ጨረታ ብር 20,000.00 ( ዒስራ ሽሕ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ(cpo)ወይ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ስም ከትሕዙ ዝኽእሉ ።

3. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምልስ 200(ክልተ ሚኢቲ ብር) ብምኸፋል ምውሳድ ይከኣል ።

4. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ኣለዎም ።

3. ጨረታ ካብ ዕለት ዕለት 02/08/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 17/08/2017 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 3:30 ተዓዕዩ ሰዓት 4:00 ይኽፈት።

4. ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 34 ይኸፈት ።

5. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ድርጅት ማህተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፌርማን ከዕርፍሉ ይግባእ ።

6. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ናይ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከምዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝከኣል ክፈልጡ ይግባእ ።

7. ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምኸፋቱ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ ።

8. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኸቡ ብኸፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ

9. ኣድራሻና ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።

10. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo