ቢሮ መሬትን ማዓድንን ክልል ትግራይ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሕትመት ስራሕቲ :መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቢሮ መሬትን መኣድን ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም

3 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ እትክእሉን

4 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ክተቅርቡ እትክእሉን

5 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይዚ ዓመት ግበሪ ዝከፈልኩምን ናይ ዝከፈልክምዎ ናይ ወርሒ የካቲት 2017 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን

6 መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን አድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ዓሪፍዎ ክተቅርቡ እትክእሉ

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ መሬትን ማዕድንን ክልል ትግራይ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ አብ ከምፕሊክስ ህንፃ ካልኣይ ደብሪ ቁፅሪ ክፍሊ 228 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 24/7/2017 ዓም ክሳብ 8/8/2017 ዓም ኣብ ስራሕ እናመፃእኩም ክተወስዱ ትክእሉ

8 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ንሕትመት 3000 ቅርሺ : መሳርሒ ፅሕፈት 1500 ቅርሺ  : ኣቅሑት ኤሌኬትሮኒክስ 1500 ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ እንተኮይኑ ብባንኪ ቁፅሪ ባንኪ ኢትዩጰያ 1000539100053 አታዊ  ክገብር ዝክእል

9 እቲ ጨረታ ዕለት ክሳብ 8/8/2017 ዓም ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ልክዕ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ መሬት ማዕድንን ክልል ትግራይ ዕድጋ ፋይናስ ምምሕዳር ንብረትን ካልኣይ ደብሪ ቁፅሪ ክፍሊ 228 ይክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካብም ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

10 ጨረታ ሰዓርቲ ምኮንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ ሰለሰተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ስራሕ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ አስፒኦ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከትሕዝ ዝክእል ንአፈፃፅማ ዉዕሊ ወሕስና የትሕዝ 

12 ብፅሬት ነቲ ንብረታ ብፅሬት አብ ዉሽጢ 15  ተከታታሊ መዓልቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ክተረክቡ አለኩም

13 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0342405423

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo