1 ናይ 2016 ዓም ግብሪ ዝከፈልኩም
2 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ክተቅርቡ እትክእሉ
3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኵም
4 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት በቲ ዘፈር ዘለኩም
5 ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለኩምን ናይ ወርሒ ጥሪን ለካቲትን 2017 ዓም ሒሳብ ዘቅረብምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
6 ተጫረቲ ዋጋ እንተመልኡ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን አፈላላይ ክህልዉ የብሉን አፈላላይ እንትህሉ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ
7 ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ ክህልዎ የብሉን ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ እንተጋጥም ባራፍ ክግበረሉ አለዎ
8 ከይዲ ጨረታ ብዛኣግባብ ንምዝባዕ ምፈታን ብሕጊ ዝሐትትን ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንሕብር
9 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ 15000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ
10 ዝሰዓረተ ተጫረቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢን ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ፋሳሲን ከተማ ሸራሮ አታዊ ዝገብር
11 ተጫራታይ ሲዕርካ ተባሂሉ ፋይናንሻል ዉፅኢት ብስሩዕ ካበ ዝተለጠፈ ዕለት ድሕሪ ሰለሰተ ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይ ቅሬታ ግዜ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእልን ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእልን
12 ኣድላይ እነተኮይኑ ካብ ዝሰዓርዎ ንብረት 20 መእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይከኣል
13 ናይ ጨረታ ሰነድ ተጫረቲ ካብ ዕለት ካብ 23/7/2017 ዓም ክሳብ 15/8/2017 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ሸራሮ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን እናከድኩም ዘይምለስ 200 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ ኢኩም
14 ኣብ ፖስታ ዝዕሸግ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ : ምስክር ወረቀት ምዝገባ ን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለረሽን ሰነድ ጨረታን ናይ ከፋሊ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ዘድሊ መረዳእታን ኣብ ፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ
15 ተጫራቲ ሰነድ ጨረታ ቅዳሕ ብምግባር ዋናን ብቅዳሕን ተባሂሉ ነንበይኑ አብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ምልክት ብምግባር ከቅርብ ዝክእል
16 ሰዓራይ መቅረባይ ዝፈለዩሉ ግዝ ንዝቀረበ ጠለብ ንብረት በቲ እሰፐስፊኬን መሰረት ኮይኑ ዝተሐተ ዋጋ መሰረት ብምግባር እዩ
17 ተጫራታይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ግዚኡ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት እንተዘይኣቅሪቡ ካብቲ ዘየቅረቡ ንብረት ንሕድሕድ መዓልቲ 0.1 ሚእታዊ ዝቅፃዕ ምካኑ ነፍልጥ
18 ሽም ክታምን ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ጨረታን መዓሺጎ ፖስታን ክዓርፎ አለዎ
19 እቲ ጨረታ 15/8/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት
20 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንዝበለፀ ሐበሬታ ንብረትን 0914278106 / 0987270400