ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ 2017 ዓም በጀት ዓመት ካብ ስደታት ፅዕንቶ ምንካይ ምላሽ ዉሃቢ ልምዓት ፕሮጀክት ማለት እዉን ዶክተር ዲፕ ብዝተረከበ በጀት ኣብ ወረዳያ ትርካብ ጣብያ ማይ ኩሕሊ ህንፀት ሓድሽ ዝረገሐ ማይ ሲስተም : ህንፀት ሓድሻ ዋና ማይ መዋህለሊ ገንኢን: ናይ ፓምፕ ዘለዎ ከባቢ ዙራይ ሓፁርን ህንፀት ሓድሻ ናይ ማይ መዋህለሊ ናቁጣታትን : ዝተፈላለዩ ናይ ፅገና ስራሕቲ ማለት እዉን ፅገና ዝነበረ ማይ መዋህለሊ ገንኢ ፅገና ናይ ወርድያ መሕደሪ ገዛ ፅገና ማይ መዓደሊ ማይ ናቁጣታት ሶላር ሲስተም ዝርገሐ ተክላን ብዝሓዞ ትልሚ መሰረት ናይ ማይ ተንክፈ ስራሕቲ ተቆራፅቲ ፍቃድ ዘለኩም ተጫረቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ብናይ ማይ ተንከፍ ስራሕቲ ተቆራፂ መንገዲ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎ

 3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ

4 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ 2017 ዓም ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታን ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎን ከምእዉን መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዋና ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

5 ኩሎም ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዘይምለስ 150000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ብስም ቤት ፅሕፈት ልምዓት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከትሕዝ ዝክእል

6 መከበሪ ጨረታ ዝምለሰሉ ሰዓራይ ዉዕሊ ምስኣሰረ ይከዉንወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረት ክፍሊ ቁፅሪ 2 ምዉሳድ ትክእሉ

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 5/7/2017 ዓም ክሳብ 14/7/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ይከዉን

8 ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ሰዓራይ ተባሂሉ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 5 ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል ምካኑ እዉን ክፈልጥ አለዎ

9 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ወይ እዉን ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእል

10 ሰዓራይ ዝኮነ ሳያት ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 75 መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሙ ከረክብ አለዎ

11 ሰዓራይ ዝኮነ ተጫረቲ ናይ ግዜ ሴሌዳ ታይም ስኮጅል ከርክብ ዝክእል ክምእዉን ምስቲ ስራሕ ዝተትሓዘ ሰብ ሞያ ፕሮጀክታት ማናጀር ሳይት ስፐርቫይዘር ምህላዎም ዝገልፅ ሕጋዊ ዉዕሊ ዘርኢ መረዳእታ ብዋናን ቅዳሕን ጨረታ ምስ ሰዓረ ከቅርብ ዝክእል

12 ተጫረቲ ናይ ስራሕ ልምዲ ዘለዎም ምካኑ ንምርግጋፅ ነዚ መረዳእታ ከምእዉን ካብ 2011 ዓም ክሳብ ሕዚ እንተናአሰ ናይ ማይ ተንክፈ ፕሮጀክት ስራሕ ናይ 5ሚሊይን ቅርሺ ብዝድለ ሰሪሑ ምካኑ ካብ ዝሰርሐሉ ትካል ዋና ቅዳሕን ክቅርብ ይግባእ

13 መጀመሪ ስራሕ ዝከዉን እንትነኣሰ ሰለሰተ ሚሊዩን ቅርሺ ዘለዎ ምካኑ ብኣድራሽ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ብዝተፅሓፈ ባንኪ ደብዳብ ምስ ባንኪ ስተትመንት ከመእዉን ድሕሪ ሕዳትር 2017 ዓም ናይ ባንኪ ስተትመነት ከቅርብ አለዎም

14 እቲ ስራሕ ብኣግባቡ ንምስራሕ ዝድልዩ ማሽነሪታት ተሽከርከርትን ማለት እዉን እስካቫተር  ዳምብ ትራክን  ሚክሰር  ሃንድ  ኮምፓክተር  ቫይቭሮተር HDP welding machine ካብ 50 ክሳብ 160 mm ከምእዉን ናይ ችድቢ  መፃገኒ ማሽን ጀነሪተር  ናይ ባዕሉ እንተሃሊዎ ናይ ዋንነት መረጋገፂ ሌብሪ ተካሪዩ ዝሰርሕ እንተኮይኑ ድማ ናይ ማሽናትን ተሽከርክርትን ተከራይን መካረየን ዉዕሊ ምስ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣተሓሒዙ ከቅርብ አለዎ

15 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝከዉን ተጫራቲ ናይ መወዳደሪ ዝተቀመጡ ቴክኒካል መዓቀኒታት ካብ ዘማልኡ ተወዳደርቲ ዉሽጢ ንኩሎም ስራሰሕቲ ዘመልእዎ ዋጋ ድምር ዝተሐተ ዋጋ ዘቅረበ ማለት እዉን ሊስት ቢደር ተጫራታይ እዩ

16 አፈፃፅማ ክፍሊት ዝምልክት ዝተሰርሑ ዝርዝር ስራሕ ብባዕል ሞያ እናተረጋገፁ ተኮናተርቲ ብዝመልኦ ነፀላ ዋጋ እንዳተባዝሐ ክፍሊት ዝፍፀም ይከዉን

17 ኣብቲ ጨረታ ዝቀርብ ናይ ኮንስትራክሽን ዋጋ እዚ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ዝፀንዕ ይከዉን

18 ብተጫረቲ ዝቀረበ ናይ መወዳደሪ ሓሳብን ዋጋን ናይ ባዕል ዋና ፊርማ ዕከትን ሕጋዊ ማህተምን ክህልዎ ይግባእ

19 ዝምላእ ዋጋ ብናይ ኢትዩጰያ ቅርሺ ጥራይ ክምላእ አለዎ

20 ተጫረቲ ናይ ቴክኒካልን ናይ ፋይናንሽልን ሰነዳት ፖርፎርማ ዋና ኣብ ሐደ ፖስታ ከምእዉን ክልተ ቅዳሕ ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ፖሰታት ብጠቅላላ ኣብ ሰለሰተ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ተዓሺጎም ነብስ ወከፎ ድማ ኣብ ዝባኖም ትሕዝቶ ፖስታ ስም ሙሉእ ኣድራሻን ተጫራታይ ዝወዳደረሉ ናይ መንገዲ ሰራሕ ፈሉይ ቦታ ብምፅሓፍ ናይ ትካሎም ሕጋዊ ማሕተም ሓቲሞም ብምድላዉ እንደገና ሰለስቲኦም ፖስታታት ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናይ ተጫራቲ ሽም ሙሉእ ኣድራሻ ዝወዳደሩ ዘሎ ናይ መንገዲ ስራሕ ፍሉይ ቦታ ብምፅሓፍ ናይ ትካሎም ሕጋዊ ማህተም ሓቲሞም ብምዕሽግ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ነዚ ጨረታ ኢሉ ናብ ዘዳለዎ ሳንዱቅ ጨረታ ከሳብ 14/7/2017 ዓም ከእትዉ አለዎም

21 እዚ ጨረታ 14/7/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘተረክበሉ ሰዓት 4:00 ይክፈት እዚ ከምዘሎ ከይኑ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዛይምርካቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይዓግትን

22 ቤት ፅሕፈትና ካብ ዝቀረበ ጠቅላላ ዋጋ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

23 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914363362  / 0914415550   

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo