ጨረታ ቑፅሪ WCA/011/2025
ንካልኣይ ግዜ ዘወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ናይ ንግዲ ቦታ
ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣክሲዮን ማሕበር፤ ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ዓይደር ዓዲሓ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘሎ ፕሮጀክታት ሎት ሓደ (B+G+10) ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲሓ ውርድ ኢልካ ፣ ሎተ ክልተ (G+4) ዓዲሓ እንዳ ኪዳናምሕረት ኣከባቢ ንንግዲ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ናይ ቤዝመንትን ግራውንድን ቦታታት ክንሽየጥ ሰለዝደለና ድሌት ዘለኩም ተጫረቲ ክትሳተፉ ንዕድም ፡፡
1. ዙር ጨረታ ካልኣይ
2. መበገሲ ዋጋ ንሓደ ሜትር ካሬ ንቤዝመንት 96,000(ቴሰዓን ሽዱሽተን ሽሕ ሻት ሓዊሱ)ንግራውንድ 100,000(ሚእቲ ሽሕብር)
3. ናይ ጨረታ መኽበሪ (CPO or unconditional bank guarantee) 50,000(ሓምሳ ሽሕ ብር) ከቕርብ ዝኽእል፡፡ኣብ ክልቲኡ ሎትንምሰታፍ እንትደሊ ብተመሰሳሊ ተወሳኺ ጨረታ መኸበሪ የትሕዝ፡፡
4. ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ እቲ ዘለዓለ ዋጋ ዘእተወ ይኸውን
5. ድሌት ዘለኩም ተጫረቲ ዘይምለስ ብር 300(ሰለስተ ሚኢቲ) ብምኽፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ቀበሌ 16 ሮማናት ኣደባባይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ዝወሰድ መንገዲ ኣቢሲንያ ባንክ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቑፅሪ ብምቕራብ ካብ ዕለት 03/07/2017 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ስዓት ምውሳድ ይካኣል።
6. ተጫረቲ ዝተማለአ ሰነድ ኣብ ቀበሌ 16 ሮማናት ኣደባባይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ዝወሰድ መንገዲ ኣቢሲንያ ባንክ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 03/07/2017ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 16/07/2017ዓ.ም ቅድሚ ሰዓት 3:30 ኣብ ሰራሕ ሰዓት ምእታው ይኽእሉ፡፡
7. እቲ ጨራታ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸበሉ ዕለት 16/07/2017 ቅድሚ ሰዓት :30 ተዓሺጉ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓትይኽፈት፡፡
8. ተጫረቲተወሳኺሓበሬታእንተደልዮምብቑፅሪ ሰልኪ+251938000111,+251938000222 ምድዋል ይካኣል፡፡
9. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ ተረኺቡ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡