ምልክታ ጨረታ - ቐረብ ግልጋሎት ካፍተርያ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ቐፅሪ ዋና ቤት ፅሕፈት ዝርከብ ካፍተርያ (ኣብ ልዕሊ 750 ካሬ ዝዓረፈ መናፈሻን ዝተሰርሐ ክፍሊን ዘለዎ)፡ መብራህቲ፣ ማይን ወናብርን ብነፃ ብምቕራብ፣ ምግብን ካልኦት ቀረብ ግልጋሎትን ተመጣጠኒ ብዝኾነ ዋጋን ብፅሬትን ከቕርቡ ዝኸእሉ ትካላት ብጨረታ ብምዕዳም ኣወዳዲሩ ግልጋሎት ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. በቲ ዘፈር ግልጋሎት ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝኸእል፣
2. ኣብቲ ስራሕ ተመክሮ ዘለዎን ዝድለ ዓይነት ምግብን መስተን (ኣብ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝተጠቐሱ) ብምምላእ ከቕርብ ዝኸእል፣
3. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ ጥራሕ (CPO) ብር10,000.00 ከትሕዙ ዝኽእሉ፣
4. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ብር 25,000.00 (ዒስራን ሓሙሽተን ሺሕ) መኸበሪ ውሕስና ብCPO ጥራሕ ብምትሓዝን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ግልጋሎት ካፍተርያ ምሃብ ክጅምር ዝኸእል፣
5. ዝርዝር ድሌት መግለፂ ጨረታ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቕርቦ ናይ ዋጋ መቕረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ተቐባልነት የብሉን፣
6. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 150 ካብ 03 መጋቢት 2017 ዓ.ም እስካብ 17 መጋቢት 2017 ዓ.ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር100.00 ብምኸፋል ምውሳድ ይከኣል፣
7. ጨረታ ሰነድ ብመሰረት መምርሒ ዕደጋ ትካልና ንቴክኒካልን ፋይናንሻልን ሰነዳት ነናይ ባዕሉ ፖስታ ብምዕሻግ ወይ ክልቲኡ ፖስታ ኣብ ሓደ ዓብዪ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክኣቱ ኣለዎ፡፡
8. ማ.ል.ት ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ በዚ ጨረታ ኣይግደድን፣
9. እዚ ጨረታ ዕለት 17/07/2016 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡
ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ !