ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ንዝተፋላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ቤት ፅሕፈት ንብረታት ማለት እዉን ናይ ፅሕፈት መሳርሒኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ፥ፅሬት ኣቑሑን፥ ህንፃ መሳርሒን ናይ ተሽከርከርቲ ጎማ መኪና ዝኸዉን ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪትና ክንገዝእ ስለዝደለና ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡
በዚ መሰረት
01) ናይ ኣቑሑት ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ዘይምለስ ብር 1500 ብምኸፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 01/07/2017ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ሰዓት 2፡30 ክሳብ 11፡30 ኣብ ስራሕ ስዓት ኾይኑ ኣብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 3' ምዃኑ ንሕብር፡፡
02) ብዘርፉ ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቓድ ናይ 2017ዓ/ም ዘሐደስኩም ክትወዳደሩ ንዕድም።
03 ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ከቕርብ ዝኽእል።
04) VAT ዝተመዝገበን ወርሓዊ ዲክላሬሽን ዘቕርብን፡ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ /TI/ ካሊእ ደኩመንትን ኦርጂናልን 2ተ ኮፒን ነንበይኑ ኣብ 3ተ ፓስታ ዓሽጉ ከቕርብ ዝኽእል።
05) ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ናይቲ ዘሸነፎ ንብረት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ከቕርብ ወይ ከረክብ ዝኽእል።
06) ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መክበሪ ጨረታ/ቢድ ቦንድ/ኒኒ ሕድሕዶም 15000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ መኽበሪ ኣብ ዕደጋ መኽበሪ እንተኾይኑ መኸበሪ ጨረታ ከትሕዝ ዝኽእል።
07) ጨረታ ሳዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 3' ማዕልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፡ መኽበሪ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ሲፒኦ /opo/ ካብ ናይቲ ውዕሊ ጠቕላላ ዋጋ 10% ውዕሊ ጨረታ የትሕዝ ኣብ ዝተዉሃቦ መዓልቲ ዝተሓተቶ መኸበሪ ዉዕሊ ዘየትሐዘ ይዉረስ።
08) ጨረታ መሸነፊ ምስ ተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ10ተ ዝተዉሃቦ ማዓልቲ ኦርጅናል ንብረት ከቕርብ ዝኽእል
09) ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀኒሐሉ እዋን ካብ ዕለት 01/07/2017ዓ/ም ክሳብ 16/07/2017 ዓ/ም ንተኸታታሊ 15
ተኸታታሊማዕልታት ምዃኑ ፈልጥኩም ክትወዳደሩ ንዕድም።
10) ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕፀወሉ ግዜ ዕለት 16/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ሰዓት
11) ጨረታ ሰነድ ዝኸፈተሉ ግዜ ዕለት 16/07/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ
ከተማ መኾኒ ይኸዉን።
12) ጨረታምስተኸፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መዋዳደሪ ሓሳብ ለውጢምምሕያሽ ምግባር ኣይክእሉን/
13) እቲ ጨረታ ተጫራታይ ወይ/ ሕጋዊ ወኪል /ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት እንተዘይቀሪቦም ድማ ብመምርሒ ጨረታ መሰረት እቲ ጨረታ ይኽፈት
14) እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ አንተተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡