ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ አድያቦ ካብዚ ንታሕቲ ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ንብረታት ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ አድያቦ

1 መሳርሒ ፅሕፈት

2 አቁሑት ኤለክትሮኒክስ

3 መሳርሒ ህንፃ ማለት እዉን ሳኒተሪ

4 ፈርኒቸር

5 አቁሑት ሕትመት

6 ስፔር ናይ ሞተር መቀያየሪ አቁሑት

7 ስፔር ናይ መኪና መቀያየሪ አቁሑት

8 ኬሚካል ላብራቶሪ

9 አቁሑት ፅሬት ማለት እዉን ሸቀጣሸቀጥ

10 ዕጥቂ ስፖርት

11 መጋረጃ

Â

ኣብዚ ከትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ክተማልእዎም ዘለኩም ረቋሕታት ዝስዕብ ይከዉን ናይ

  1. 2007 ዓም ግብሪ ዝከፈለ
  2. ናይ 2008 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ
  3. ካብ ቁፅሪ 1 ክሳብ ቁፅሪ 7 ንዘለዉ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝትመዝገበን ናይ ወርሒ መጋቢት ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን
  4. መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ነምበር ናይ መቅረባይ ምስክር ወረቀት ዝተሓደሰ ከቅርብ ዝክእል
  5. ናይ ተቅርብዎ ዓይነት ንብረት ፍቃድ ንግዲ ዋናን ቅዳሕን ወረቀት ምስክር ዘለዎን ከቅርብ ዝክእልን
  6. ከይዲ ጨረታ ብዘይአግባብ ንመዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ጨረታ ከይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዘስዕበን ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ
  7. Â ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 60 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍሊ ቁፅሪ 20 ክትወስዱ ትክእሉ
  8. ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ እንትምላእ ሽም አድራሻ ፊርማ ማሕተም ክዓርፎ አለዎ
  9. ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ እንትምላእ በቲ ስፐስፍኬሽን መሰረት ማለት እዉን መዐቀኒ ክምላእ አለዎ ናይ ባዕልካ መዐቀኒ ምእታዉ አይፍቀድን
  10. መክበሪ ጨረታ ንነፍስወከፍ ካብ ቁፅሪ 1 ክሳብ ቁፅሪ 7 5000 ቅርሺ ካብ ቁፅሪ 8 ክሳብ ቁፅሪ 11 ድማ 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ Â ከትሕዝ ዝክእል
  11. ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝልቀቀሎም ሰዓራይ ዉዕሊ ምስኣሰረ ይከዉን
  12. ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣሰር ከሉ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10% ከትሕዝ ዝክእል
  13. እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  14. እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ከምአድላይነቱ ናይቲ ዝዕደግ አቅሓ ክሳብ 20% ክዉስክን ክቅንስ ይክእል እዩ
  15. እቲ ሰነድ እንትምላእ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ አይግባእን እንተሃሊዎ ድማ ፊርማ ክዓርፎ አለዎ
  16. ጨረታ 22 ግንቦት 2008 ዓም ዝዕፀወሉ ሰዓት 4 ፡00 ዝክፈተሉ ድማ ኣብዚ ዕለት ሰዓት 4፡30 ይከዉን
  17. ሰዓራይ አካል ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ዘቅርብን መፅዐንን መራገፍን ካብ ባዕሉ ክከፍል አለዎ
  18. ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344320094 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo