ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ንሰራሕተኛታት ግልጋሎት ትራንስ ፖርት/ ሰርቪስ/ዝህብ መኪና ብጨረታአወዳዲሩ ውዕሊ ክአስር ስለዝደለየ ተወዳደርቲ ይዕድም።

ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ

ቁፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን/ /35

ዕለት 25 / 6/2017ዓ/ም

ም ል ክ ታ ግልፂ ጨረታ

ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ንሰራሕተኛታት ግልጋሎት ትራንስ ፖርት/ ሰርቪስ/ዝህብ መኪና ብጨረታአወዳዲሩ ውዕሊ ክአስር ስለዝደለየ ተወዳደርቲ ይዕድም።

አብቲ ጨረታ ክሳተፍ ዝድሊ ኣቕራቢ ከማልኦ ዝግባእ ሮቛሕታት

1) ናይ መኪና ክራይ ሕጋዊ ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቐርብ ዝኽእል።

2) ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ (TIN) ።

3) ተወሳኺ እሴት ታክሲ (VAT)ተመዝጋቢ ምዃኖም ዝገልፅ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል ።

4) አብ መንግስታዊ ቤት ዕዮ ኣብ ዝፍፀም ግልጋሎት ንምስታፍ ኣብ ናይ መኪና መካረይቲ ግልጋሎትን መቅረብቲ ምዃኖም ዘረጋግፅ መለለዪ ካርዲ ዘለዎ ኮፒ ገይሮም ከተሓሕዙ አለዎም።

4) ቕድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ብር) ብናይ ኢትዮጰያ ብሄራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ባንክታት ስ.ፒ.ኦ ምቅራብ ዝኽእል ወይ ብጥረ ገንዘብ የትሕዝ።

5) አሸናፊ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ 10% ውዕሊ መኽበሪ አትሒዙ አብ ውሽጢ 5 መዓልትታት ውዕሊ አሲሩ ግልጋሎት ክህብ ዝኽእል።

6) ንጨረታ ሰነድ መግዝኢ ብር 50.00 ዘይምለስ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ካብ ዕለት 25/6/2017ዓ/ም ክሳብ ዕለት 16/7/2017ዓ/ም ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ ናብቲ ንጨረታ ሳንዱቕ ዝተዳለወ አታዊ ክገብር አለዎ።

7) ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕሸገሉ ዕለት 16/7/2017ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ 16/7/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ይኸውን።

8) ጨረታ እንትኸፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ክርከቡ ንዕድም።

9) ኮሌጅ ዘውፀኦ ወፃኢ መኪና ክራይ ጥራሕ ኮይኑ ነዳዲ መኪና መካረይቲ የቅርቡ ።

10) እቲ ኮሌጅ ካብቲ አብ ጨረታ ሰነድ ካብ ዝሓተቶም ግልጋሎት ከም ኩነታቱ ዝውስኽን ዝቅነስን ይኽእል።

11) እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።

12) ተጫረቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ዘቕርብዎ ዋጋ ናይ መወዳደሪ ሓሳብን ለውጥን ወይ ድማ ምምሕያሽ ዘይከአል ምዃኑ ባዕሎም ካብቲ ጨረታ ምግላል ዘይከአል ምዃኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ ይግባእ።

አድራሻና፡-

ዝርከበሉ ቦታ አብ ማእኸል ጥዕና ጣብያን ፎቶ ደስታን

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁዕሪ 03 42 40 94 67 ወይ ሞባይል ቁዕሪ 09 14 413007 ወይ ድማ 0914748720 ምድዋል ይከአል እዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo