ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተፈላለዩ ናውቲ ኮንስራክሽን ኣብ ምጥንኻር GBV ዝድሓና ደ/ኣንስትዮ ግልጋሎት ዝወዕል ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብፕሮፎርማ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. ቫት ወይ IOI ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉን፣
4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
5. ተኸታታሊ ቑፅሪ ዘለዎ ሕጋዊ ቅብሊት ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
7. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ከቐርብ ዝኽእል። ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ጊዜ ገደብ እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም፡፡
8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡
9. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
10. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
11. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 27/06/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡