ኤጀንሲ ልምዓት ዳኣንት ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ሕትመታት: ዝትፈላለዩ ዓይነት አቁሑት ቢሮ: አቁሑት ኤለክትሮኒክስ :ምድላዉ ኤግዚብሽንን ባዛርን መፅለሊ ዝዉዕል ድንካን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ

ኤጀንሴ ልምዓት ዳ.ኣ.ን.ት ክልል ትግራይ

ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም::

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ /TIN/ Â ሰርተፊኬት ከቕርብ ዝክእል

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ /VAT/ ዝተመዝገበ ኮይኑ /TIN/ ምዝገባ ሰርቲፊኬት ናይ ወርሒ መጋቢት 2008 ዓም ድክላሬሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቐት ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫረቲ ንዝትዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ዘትምለለስ ብር 30 ሰላሳ እናከፈሉ ካብ ኤጀንሲና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 01 ካብ ዕለት 11/09/2008 ዓ/ም ክሳብ 25/09/2008 ዓ/ም አብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብአካል ብምቅራብ ምዉሳድ ይክእሉ

6 ዝቐርብ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒ ነንበይኑ ብሸምዒ ብዘተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኮይኑ ኣብ ላዕሊኡ ናይ መቅረባይ ሙሉእ ሽም ናይቲ ትካል ኣድራሻ ስልኪ ቝፅሪ ናይ ምንታይ ዓይነት ጨረታ ምኻኑን ናይዚ ቤት ዕዩ ሽም ክሕበር አለዎ

7 ተጫረቲ ዘትሕዝዎ መክብሪ ጨረታ ንዝተፈላለዩ ሕትመታት ብር 5,000.00 / ሓሙሽተ ሽሕ/ ን ንዝተፈላለዩ አቁሑተ ቢሮ ብር 5,000.00 / ሓሙሽተ ሽሕ/ Â ንአቁሑት ኤለክትሮኒክስ 7500 :ምድላዉ ኤግዚብሽንን ባዛርን መፅለሊ ዝዉዕል ድንካን Â 5000 ቅርሺ ብCPO Â ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ዕዩ ጨረታ ሳንዱቅ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ዝክእሉ::

8 አብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ዝስዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 10 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ዕዩና ስቶር ክፈሊ በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ከቕርብ ዝክእል

9 እቲ ጨረታ ዕለት 26/09/2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቕድሚ ቐትሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቐትሪ ሰዓት አብ ኤጀንሲ ልምዓት ዳኣንት ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 01 ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ዝኽፈት ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተአጓጎልን

10 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ክኸዉን አለዎ ተዘይኾኑ ቫት ከምዝሐወሰ ርዱእ ተገይሩ ይዉሰድ

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ይኸዉን

12 ኤጀንሲናÂ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

14 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ኤጀንሲና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት ዓቐን ወይ ዋጋ ከምአዳላይነቱ ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቐሓ ክሳብ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ምቅናስ ይክእል እዩ::

15 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብባዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን

ንተወሳኪ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 0342400009 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከአል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo