ን2ይ ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናይ ፅሬት ኣቑሑት ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብፕሮፎርማ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. ቫት ወይ IOT ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮ ከቕርቡ ዝኸእሉ፣
4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኸእሉ፣
5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
6. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ከቕርብ ዝኸእል፡፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ጊዜ ገደብ እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም፡፡
7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብን፤ እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡
8. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
9. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣
10. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 18/06/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡