ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ንቤት ፅሕፈታት ማይ ሃፍቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ቴንዲኖ በዓል 12 ቁፅሪ ብግልፂ ጨረታ አወዳድር ክዕድግ ይደሊ::ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊ ንክትወዳደሩ ንዕድም:

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን

በዚ መሰረት ነቲ ዝድለ ረቁሓታት ተጫረቲ

  1. በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፍ ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰÂ ዘለኩም::
  2. ናይ 2008 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም::
  3. ቲነ ካርድ መረዳእታ ዘለኩም::
  4. ቫት ተመዝገበቲ ዝኾንኩም::
  5. ናይ ወርሒ መጋቢት ዲክለራስዩን ዝገበርኩም::
  6. ናይ መቅረባይነት ሴርትፊኬት ኣተሓሒዙ ዘቅርብ::
  7. ቅድሚ ጨረታ ነቲ ጨረታ መኽበሪ 3000 (ሰለስተ ሺሕ) ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ዝተመስከረሉ ሲፒኦ ከትሕዝÂ ዝክእል::
  8. ናይቲ ሽያጥ ዝርዝር ዶኩሜንት ዘይምለስ 30 ብር (ሰላሳ ብር) ብምክፋል ካብ ቤትÂ ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስንÂ ወረዳ ሓዉዜን ከ /ስ /ዕ /ንብ /ምም /ርን ቁፅሪ 05 ምዉሳድ ይከአል
  9. ካብ 12/ 09/2008 ዓ/ም ጀሚሩ ዝርዝር ናይ ጨረታ ዶክሜንት ብምዕዳግ ኣብ ናይÂ ባዕልና ዝተዳለወ ዶክሜንት ብምምላእ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ አብ ዝተፈላለዩÂ ፖስታ ዓሺግኩ ክሳብ 30/ 09/2008 ዓ/ም 8:00 ናይ ምሸት አብ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስንÂ ወረዳ ሓዉዜን ቁፅሪ 05 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅÂ ይእቱ ::
  10. እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ ዘትሓዞ ናይ መኽበሪ ጨረታ ቢድባንድ ሰዓራይ ምስተገለፀÂ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ይምለሰሉ::
  11. እቲ ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ በቲ ዝሰዓረ ዋጋ ከቅርብ ፍቃደኛ እተዘኮይኑ ዘትሓዞ ቢድ ቦንድ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸዉን::
  12. ሰዓራይ ዝተገለፀሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5(ሓሙሽተ መዓልቲ) ተካታተልቲ ዉዕል ዝአስር
  13. እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30 /09 /2008 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዮ ድሕሪ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት
  14. ሰዓራይ ኣብ ዝተገለፀሉ ቀሪቡ ዉዕሊ እንተዘይ አሲሩ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ዝቅፃዕ ምኻኑ ::
  15. ሰዓራይ ንዝስዕሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ብምሽፋን አብ ወረዳ ሐዉዜን ትልምን ፋይናንስን አጉዒዙ ዘቅርብ::
  16. ብመምርሒ መሰረት ኣብ እንዕድጎ እንዕድጎ ንብረት መጠን ቴንዲኖ 20 % ክንዉስክ ክንቅንስ ንክእል ኢና
  17. ብሰመሰረት ዝእተዉዎ ዉዕሊ ብዝድለ ፅሬት አብ ዝተደለየ ግዜ ንብረት እንተዘይ አቅሪቦም ብዉልቐን እቲ ድርጅትን ተሓተትቲ ከምዝከዉን
  18. ሰዓራይ ዉዕሊ ኣሲሩ እቲ ዝግዛእን ንብረት አበቲ ዉዕሊ አሲሩ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዘረከበሉ ንብረት እንተዘይ አረኪቡ ብሕድሕድ መዓልቲ 1/1000 ተቀዒዑ እቲ ንብረት ተመሊሱ የረክብ ከሙኡ እዉን 10% ናይቲ ዝሰዓሮ ንብረት ይቅፃዕ
  19. ዝምላእ ዋጋ ናይቲ ንብረት ኦርጅናል ኮይኑ ብኦርጅናል ገንዘብ ክከዉን አለዎ
  20. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረከቡ ብምሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0346670078/ 0914138946

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo