1 ናይ 2017 ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋፂ ስራሕ ተኮነታራንት ንግዲ ፍቃድ ወረቀት ምስክር ዘለዎም ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ስራሕን ናይ መቅረባይነት ፍቃድ ከቅረቡ ዝክእሉ
2 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምኮኖም መረዳእታ ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበርሉ ማለት እዉን ዲክላሪሽን ከቅረቡ ዝክእሉ
3 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ 200000 ቅርሺ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንክ ዉስና ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ክፍሊት መዘዚ ቼክ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ከቅረቡ አለዎም
4 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሳይተ ማለት እዉን ቦታ ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 90 ተከታታሊ መዓልቲ ዛዚሞም ከረክቡ ይክእሉ
5 ኮሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 4/6/2017 ዓም ካብ ቤት መዘጋጃ ሽረ እንዳስላሴ ከይዲ ስራሕ ዝተወደደ መሰረት ልምዓት ቢሮ ቁፅሪ 20 ዘይምለስ 500 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ
6 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ዋና ሐደ ቅዳሕን ቴክኒካል ሰነድ ጨራታ ሐደ ዋና ቅዳሕን ፋይናንሻል ሰነድ ጨረታ ብቅዓት መረጋገፂ ስራሕ ተኮነታሪ ፍቃድ ወረቀት ምስክር ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት መረዳእታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበርሉ ማለት እዉን ዲክላሪሽን መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ነብይኖም ብምዕሻግ መሊስካ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ተዓሺጉ ኣብ ዝባኑ ዋናን ቅዳሕን ሽምን ኣድራሻን ተባሂሉ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ 20/6/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 300 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከቅርቡ ይክእሉ
7 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀርቡ መረዳእታ ኣቅሪብኩም አብ ዝባንኩም ኣብ ነብስ ወክፍ ገፅ ፊርማን ማህትም ብምዕራፍ ቀደም ሰዓብ ሓልዩም እቲ ሰነድ ጨረታ ካምቲ ክሽየጥ ከሎ ዝነበሮ ከየጎደሉ ከቅርቡ አለዎም
8 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ 20 /6/ 2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 300 ጨረታ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 330 ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ ከይዲ ስራሕ ዝተወደደ መሰረት ልምዓት ቢሮ ቁፅሪ 20 ይክፈት
9 እቲ ከይዲ ሰራሕ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0943080138