ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ትግራይ አብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኢንዱስትሪ ዞንን ክላስተር ማእኸልን ከተማ ዓዲግራት ቀበሌ 01 ፍሉይ ሽሙ ኢንዱስትሪ ዞን አብ ዝበሃል ቦታ ዝርከብ ርሑስ ደዉ ዝበለ፣ ደረቕ ዝተቆሪፀ ፣ ርሑስ ዝወደቀ ቀላሚንጦስን ሓፂን በሪ ማዕዖን - ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥን ከወግድን የደሊ፡፡

ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ትግራይ

ንኻልአይ ግዘ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ዝዉገዱ ንብረታት

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ትግራይ አብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኢንዱስትሪ ዞንን ክላስተር ማእኸልን ከተማ ዓዲግራት ቀበሌ 01 ፍሉይ ሽሙ ኢንዱስትሪ ዞን አብ ዝበሃል ቦታ ዝርከብ ርሑስ ደዉ ዝበለ፣ ደረቕ ዝተቆሪፀ ፣ ርሑስ ዝወደቀ ቀላሚንጦስን ሓፂን በሪ ማዕዖን - ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥን ከወግድን የደሊ፡፡

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ዝርዝር ረቛሒታት

1. ናይ ቀላሚንጦስን በሪ ሓፂን ማዕዖን ተጫረቲ ናይ ዚ ዓመት 2017 ዓ/ም በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ቲን ካርድን ኮፒ ተጌሩ ምስ ዋጋ መምልኢ ሰነድን ማህተም ዓርፈሉ አብ ፖስታ ማህተም ተጌሩሉ ታዓሽጉ ክቀርብ አለዎ።

2. ናይ ቀላሚንጦስ ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ዋጋ ብር 5.000( ሓሙሽተ ሽሕ)ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምኸፋቱ ከትሕዙ ይግባእ፡፡

3. ናይ ቀላሚንጦስን ናይ በሪ ማዕፆን ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኢንዱስትሪ ዞንን ክላስተር ማእኸልን ከተማ ዓዲግራት ኣብ ቤት ማዘጋጃ ካዳስተር ሀንፃ ቢሮ ቁዕሪ 303 3ይ ደብሪ ካብ ዕለት 07/6/2017ዓ.ም ጀሚርኩም እስካብ ዕለት 18/06/2017ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ብዘይክፍሊት ብነፃ ሰነድ ጨረታ ምዉሳደ ትኸእሉ፡፡

4. ተወሳኺ መማረፂ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ትግራይ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ወይ ጎኒ ወይዘር ህንፃ 2ይ ደብሪ ቢሮ ቑፅሪ 204 አብ መቐለ ካብ ዕለት 07/6/2017ዓ.ም ጀሚርኩም እስካብ ዕለት 18 /06 /2017 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ብዘይክፍሊት ብነፃ ሰነድ ጨረታ ምዉሳደ ትኽእሉ፡፡

5. እቲ ጨረታ ተላሚንጦስን ናይ በሪ ማዕዖን ዕለት18/6/2017ዓ.ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዪ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት አብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኢንዱስትሪ ዞንን ክላስተር ማእኸልን ከተማ ዓዲግራት ኣብ ቤት ማዘጋጃካዳስተር ሀንፃ ቢሮ ቑዕሪ 303 3ይ ደብሪ ይኸፈት ::

6. ብቤት ዕዮና አብ ብዝተዉሃበኩም ናይ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ጥራሕ ዋጋ መሊእኩም ተቅርቡ አለኩም፡፡

7. ተጫረቲ ቅድሚ ዋጋ ምምላእኹም እቲ ንብረት አብ ዝርከበሉ ቦታ አብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኢንዱስትሪ ዞንን ክላስተር ማእኸልን ፍሉይ ሽሙ ኢንዱስትሪ ዞን እናተብሃለ ዝፅዋዕ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ክላስተር ማእኸል ዉሽጢ ዝርከብ ቀላሚንጦስን ናይ በሪ ማዕዖን ብአካል ተረኺብኩም ርኢኹም ዋጋ ምምላእ ትኸእሉ ምዃንኩም ንሕብር፡፡

8.ኣብቲ ዝቐርብ ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን::

9. ናይ ቀላሚንጦስ ተጫረቲ አብ ዝተዉሃበኩም ናይ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ስምን ፊርማን ማህተምን ዝዓረፈሉን ብተወሳኪ ዝተሓተትክምዎ አብ ላዕሊ ተራ ቁፅሪ 1 ሓደ ዘሎ መረዳእታ ናይ ንግዲ ብሓባር አብ ፖስታ ተዓሽጉ ማህተም ዓሪፍሉ ክቐርብ ኣለዎ

10. ናይ በሪ ማዕፆ ተጫረቲ ብተመሳሳሊ አብ ዝተዉሃበኩም ናይ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ስምን ፊርማን ማህተምን ዝዓረፈሉን ብተወሳኪ ዝተሓተትክምዎ አብ ላዕሊ ተራ ቁፅሪ 1 (ሓደ)ዘሎ መረዳእታ ናይ ንግዲ ኣብ ፖስታ ተዓሽጉ ማህተም ዓሪፍሉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡

11. ኣብ ጨረታ መኸፈቲ ዕለት ኩሎም ተጫረት ክርከቡ ንዕድም ኮይኑ ግን ተጫረቲ በቲ ዕለት ተዘይተረኺቦም ጨረታ በቲ ዝተቀመጠሉ ሰዓትን ዕለትን ዝኸፈት ምዃኑ ንሕብር::

12. አብ ናይ ቀላሚንጦስ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ምስ ዝተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 5' ሓሙሽተ/ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ ዝሰዓሮ ጠቕላላ ዋጋ 5(ሓሙሽተ) ሚኢታዊ ንውዕል መኸበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብ CPO ኣትሒዙ ውዕል ዝኣስር ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ::

13. ተጫራታይ (ውዕልተ ቀባሊ) ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ዝሕሰብ ኣብ ውሽጢ ተከታታሊ 45(ኣርባዓን ሓሙሽተን) መዓልቲ ንናይ ቀላሚንጦስ ተጫረቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚን ዘድሊ ወፃእን ሸፊኑ እቲ ንብረት የልዕል::

14. ንናይ በሪ ማዕፆ ሓፂን ተወዳዳራይ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተነገሮ መዓልቲ ጀሚሩ አብ ዉኸጢ 5' ሓሙሽተ/መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚን ዘድሊ ወፃእን ሸፊኑ እቲ ንብረት የልዕል::

15. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

መዘኻኸሪ እቲ ብዘይክፍሊት ብነፃ እትወስድዎ ናይ መጫረቲ ሰነድ ዝርከበሉ አብ ከተማ መቐለን አብ ከተማ ዓድግራትን ኾይኑ ካብ ዓዲግራት ይዂን ካብ መቐለ ዝወሰድክምዎ መወዳደሪ ሰነድ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ተእትዉሉ ግና አብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኢንዱስትሪ ዞንን ክላስተር ማእኸልን ከተማ ዓዲግራት ኣብ ቤት ማዘጋጃ ካዳስተር ሀንፃ ቢሮ ቁዕሪ 303 3ይ ደብሪ ጥራሕ ይኸዉን

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0931486832 ወይ 0914741329 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo