ሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ ስላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ አብ በጀት ዓመት 2007 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ , ኤሌክተርክ መሳርሒን ህንፃ መሳርሒን አብ 3ተ ምድብ /LOT/ 1 ,2 ,3 መቒሉ ብግለፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስገዶም

           ግልፂ ናይ ጨረታ ምልክታ 02/2007 ዓ/ም

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ ስላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ አብ በጀት ዓመት 2007 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ , ኤሌክተርክ መሳርሒን ህንፃ መሳርሒን አብ 3 ምድብ /LOT/ 1 ,2 ,3 መቒሉ ብግለፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ:: ስለዚ ብቢዝምልከተኩም ዘርፊ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደሊዩ ሕጋዊያን ነጋዶ ዝስዕብ ረቆሓ አማልእኩም ክትወዳደሩ ቤት ፅሕፈትና ብክብሪ ይዕድም:

 

  • ናይ 2006 ዓም በቢዘርፉ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ

  • ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ(Tin No) ዝሓዝኩምን ዝተመዝገብኩምሉ ሰርትፊኬትን ናይ ወርሒ ነሐሰ 2006 ዓም ዲክሌር ዝተገበረሉ መረዳእታን ክተቕርቡ ትኽእሉ::

  • ኣብ መንግሰቲ ንክትጫረቱ ዝተሐደሰ ናይ መቕረበይነት ሰርትፊኬት መረዳእታ ዝሐዝኩም::

  • ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት በቢዝምልከተኩም ዘርፊ ብደብዳቤ ተገሊፅለኩም ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ንብረት ብበዓል ሞያ ኣፈቲሹ ናብ ትካልና ኣታዊ ክገብር ዝክእል::

  • ተጫረቲ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ሐደ ኦርጅናል ሐደ ኮፒ መነፃፀሪ ዝኸዉን ብሽምዒ ዝብተኣሸገ ፖስታ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ አብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ አስገደም ዕ /ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 03 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዲቅ ክተእትዉ ከምትክእሉ::

  • ተጫረቲ ንፎቶኮፒን ፕሪንተራትን ተቅርብዎ ቀለም ናይ ደገን ናይ ዉሽጥን ስርያል (Serial No) ናምበር ዘለዎ ኦርጅናልን ኮይኑ ን 6 ወሒ ዉሕስና (ጋራንቲ) ክትህቡ እትክእሉ::

  • ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 30.00 /ሳላሳ ብር / ንሕድሕድ ሎታ በቢዝምልከተኩም ዘርፊ እንኸፈልኩም ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣስገዶም ዕ /ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምር ቢሮ ቁፅሪ 03 ካብ ዕለት 13 /02/ 2007 ዓ/ም ክሳብ 28 /02/ 2007 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 3:00 ንጉሆ እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ::

  • እቲ ጨረታ ዕለት 28/02/ 2007 ዓ/ም ልክዕ 3:30 ንጉሆ ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ /ስላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይኽፈት::

  • ተጫረቲ በቢ ዝምልከተኩም ዘርፊ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ብር 3000.00 / ሰለስተ ሽሕ ብር / ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ይግባእ::

  • ትካልና መጠን ዝግዛእ ንብረት 20 % ክዉስክ ወይ ክቅንስ ዝኽእል ምኮኑ::

  • ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0347730211 ደዊልኩም ሕተቱ::


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo