ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ካብ መደበኛን ሴፍትኔትን ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን /ጎማ/ ንምግዛእ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

ቢሮ ፋይናንስን ምትሕሕባር ሃፍትን

ቁፅሪ ፋ/ም/ሃ/15/ግ-ጨ/10

ዕለት 04/06/2017 ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 07/2017 ዓ/ም

ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ካብ መደበኛን ሴፍትኔትን ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን /ጎማ/ ንምግዛእ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

ስለዚ

1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣ ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

2. ንተወሳኪ እሴት ታክሲ / VAT ዝተመዝገበ፣ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ታሕሳስ/2017 ዓ.ም - VAT

ድክላሬሽን ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

3. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

4. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ናይ መለዋወጢ ኣቑሑትን /ጎማ/ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15' ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ እስፔስፍኬሽን መሰረት ከቅርብ ዝኽእል ፣

5. ተጫራቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ነንበይኑ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከቅርብ ዝኽእል፣

6. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ፣ ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፣

7. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ናይ መኪና ጎማን ዘይምለስ ብር 100.00/ ሓደ ሚዒቲ ቅርሺ ጥራሕ/ እናኸፈልኩም ካብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዳ/ዳሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 /2-01 ካብ 04/06/2017 ዓ/ም ክሳብ 18/06/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል፣

8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሰነድ ጨረታ ብር 10,000.00/ ዓሰርተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን /Bureau of finance & Resource Coordination/ ብCPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ውይ ድማ ብጥረ-ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል፣

9. እቲ ጨረታ ዕለት 19/06/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4:30 ቅ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።

10. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11. እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ/ክውስክ/ ይክእል እዩ።

12. ሰዓራይ እቲ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን /ጎማ/ ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምሰተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን፡፡

13. ንዝበለፀ ሓበሬታ ሞባይል ቑፅሪ 0914775963/0914136662 ደዊልካ ምሕታት ዝካኣል ምዃኑ ንሕብር ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo