ንካልኣይ ግዘ ዝወፀ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ አድያቦ ካብዚ ንታሕቲ ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ስራሕቲ ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ አድያቦ

ሎትሓደ ቼክ ዳም ዳይቨርሺን ምስ ካናል ክሮሲንግ ኮንስትራክሽን: ናዉቲ ንህቢ :መጋዓዕዚ

ኣብዚ ከትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ክተማልእዎም ዘለኩም ረቀሕታት ዝስዕብ ይከዉን ናይ

  1. 2007 ዓም ግብሪ ዝከፈለ
  2. ናይ 2008 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ Â
  3. ንቼክ ዳም ዳይቨርሺን ምስ ካናል ክሮሲንግ ናይ ወርሒ መጋቢት ሒሳብ ዝገበርኩምሉ ከቅርብ ዝክእል
  4. መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ነምበር ናይ መቅረባይ ምስክር ወረቀት ዝተሓደሰ ከቅርብ ዝክእል
  5. ናይ ማይ ኮንስትራክሽን ስራሕ ፍቃድ ክተቅርቡ እትክእሉ
  6. ብናይ ባዕሉ መጋዓዕዝያ ከጋዓዕዝ ዝክእልን
  7. ኣብ መጋዕዝያ ትወዳደሩ ሊብረ ክተቅርቡ እትክእሉን ከምኡዉን ናይ መራገፍን መፅዐንን ካብ ባዕልኩም ትከፍሉ
  8. ከይዲ ጨረታ ብዘይአግባብ ንመዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ጨረታ ከይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዘስዕበን ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ
  9. ንነፍስወከፍ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ Â ቼክ ዳም ዳይቨርሺን ምስ ካናል ክሮሲንግ ኮንስትራክሽን 80 ቅርሺ Â ንናዉቲ ንህብን መጋዓዝን 50Â ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍሊ ቁፅሪ 20 ክትወስዱ ትክእሉ
  10. ነፍስወከፍ ሰነድ ጨረታ እንትምላእ ሽም አድራሻ ፊርማ ማሕተም ክዓርፎ አለዎ
  11. መክበሪ ጨረታ ንነፍስወከፍ ሰነድ ቼክ ዳም ዳይቨርሺን ምስ ካናል ክሮሲንግ ኮንስትራክሽን 25,000 ቅርሺ ንናዉቲ ንህብን መጋዓዝን 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
  12. ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝልቀቀሎም ሰዓራይ ዉዕሊ ምስኣሰረ ይከዉን
  13. ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣሰር ከሉ ካብ ጠቅላላ ዋጋ ተቀባልነት ብዘለዎም ካብ ዝተፈለጡ ትካል መድሕን ዝቀረበ ኮይኑ 20% ኣብ ኩነታት ዉሕስና ዝተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና እንተኮይኑ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ 10% ከትሕዝ ዝክእል
  14. ጨረታ 14 ግንቦት 2008 ዓም ዝዕፀወሉ ሰዓት 4 ፡00 ዝክፈተሉ ድማ ኣብዚ ዕለት ሰዓት 4፡30 ይከዉን
  15. እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ከምአድላይነቱ ዝስራሕ ፕሮጀክት ወይ አቁሑት በቲ ናይ ኮንስትራክሽን መምርሒ ክሳብ 25 % ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል
  16. እቲ ሰነድ እንትምላእ ዝርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ፊርማ ክዓርፎ አለዎ
  17. ስራሕቲ ማይ ኮንስተራክሸን ዝሳተፉ ደረጃ 6 ን ልዕሊኡን ክህልዎም ይግባእ
  18. እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  19. ሰነድ ጨረታ ዋናን 2 ቅዳሕን ነንበይኑ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ
  20. ናይ ስራሕቲ ቀረብን መጋዕዝያን ዝምልከት ድማ ብንፁር ዝተቀመጠ ስለዝኮነ ኣብቲ ሰነድ ይርኣዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344320094

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo