ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጉሎመከዳ ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ኩለን አብያተ ፅሕፈት ን 2008 ዓም በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ቀወምቲ ንብረታት :አቁሑት ናይ ዝተፈላለዩ ሞዴል መካይንን: ጠቅላላ ሰርቪስ ፅገናን ናይ ጋራዥ ናይ ጉልበት ዋጋን :ናይ ብረታብረት ዉፅኢት ወይድማ ቼክዳም ማዕፆ ማለትእዉን ጌት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእን ከስርሕን ከፀግንን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወረዳ ጉሎ መከዳ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሕታት

1 ሽም ተጫረቲ ፊርማ አድራሻ ማሕተም አብቲ ሰነደ ጨረታ ክህልዎ አለዎ

2 ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ናይቲ ዓወደ ስራሕ ፍቃድ ንግዲ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎም

3 መቅረባየነት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብሉ ናይ ወርሒ መጋቢት 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ ዝተገናዘበ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኮኑ አለዎም

4 ናይ ጋራዥ ጠቅላላ ግልጋሎት ሰርቪስ ፅገና ናይ ጉልበት ዋጋ ተወዳደርቲ ዝኮኑ ብቅዓት መረጋገፂ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

6 ብመሰረት እዚ ዝተዳለወ መመዘኒ ረቀሒ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ

7 ናይ ጨረታ መክበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብ ሲፒኦ ወይዉን ብጥረገንዘብ ከምኡድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ለተር ኦፍ ክሬዲት 5000 ቅርሺ ብሽም እቲ ቤት ፅሕፈት ከትሕዙ ዝክእሉ

8 ጨረታ ዝዕፀወሉ 12 ግንቦት 2008 ዓም ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶምÂ 12 ግንቦት 2008 ዓም ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ሰዓት ይከዉን እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት በዓል እንተዳኣ ኮይኑ ኣብ ዝቅፅል ዕለት ብተመሳሳሊ ሰዓት ይክፈት

9 ተጫረቲ ዝህብዎ መጫረቲ ዋጋ ን 25 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ምካኑ ኣብቲ ዘቅርቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ከረጋግፁ ይግባእ

10 ናይ ዋጋ መግለፂ እንትትመልኡ ኣብ ዝወሰድኩምዎ ዝርዝር ስፐስፊኬሽን ኣብ ዝተዳለወ ቅጥዒ ጥራሕ ዋጋ ክትመልኡ አለኩም ብመሰረት እዚተጫረቲ እትመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ምካኑ ክትፈልጡ አለኩም

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

12 ርክክብ ዝፍፀመሉ ቦታ ኣብ ወረዳ ጉሎመከዳ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን

ንናይ መካይን ሰርቪስን ፅገናን ግልጋሎት ድማ ኣብ ጋራዥኩም ይከዉን

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0344340128 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo