ምልክታ ግልፂ ጨረታ 03
ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ፅሕፈት ን2017 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝውዕል ብርክት ዝበለ ብግልፂ ጨረታ ከወዳድር ይደሊ በዚ መሰረት ናይ መኪና ጎማ - ክንዕድግን ካብ ሕጋውያን መቕረብቲ ብዘርፍ ዝተመዝገቡ ብ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ብምእሳር ክዕድግን ግልጋሎት ክንረክብን - ስለዝደለዮ ካብዚ ብታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ንክትረቱ ይዕድም።
ናይ ጨረታ ረቛሒታት
1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ /ብመምርሒ ሕደሳ ናይ ምሕዳሰ
ግዚኡ ዘይሓለፎን ዘሐደሰን ሙሉእ ገፅ ኮፒ መረዳእታ ኣተሓሒዙ ዘቕርብ።
2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ( I ) ዘለዎ ፣ ኣብ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ሙሉእ ገፅ ፎቶ ኮፒ ገይሩ ኣተሓሒዙ ዘቕርብ።
3. ኣብ ናይ ፅሬት ግልጋሎት ተወዳደርቲ ዝኾንኹም ዝተሓደሰ ደቀቅቲን ኣናእሽተይን ማእኸለወትን ወረቐት ምስክር ዘቅርብ።
4. ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ጨረታ 20000.00 /ዒስራ ሽሕ ብር / ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ምኸሪ ክልል ትግራይ ዝተረጋገፀ CPO ኣብ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ኣለዎ፡
5. ዋጋ ዝመልኣሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብቤት ፅሕፈትና ብዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ እዩ
6. ዋጋ ዝመልአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ሒሳብ ክፍሊ ንሕድ ሕድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 100.00 (ሓደ ሚእቲ ብር) ጥራሕ ብምኽፋል ካብ ዕለት 08/05/2017 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 22/05/2017 ዓ.ም ናይ ቅ/ሰዓት ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ይከኣል።
7. ናይ ጨረታ ዶክሜንት ተመሊኡ ኦርጀናልን ፎቶ ኮፒን ነኒበይኑ ብፖስታ ተዓሺጉ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምም/ር ቢሮ ቁፀሪ 08 ክሳብ ዕለት 22/05/2017ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅ/ሰዓት ከእትው ይክእሉ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ቅ/ሳዓት ተዓሽጉ በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለውሉ ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅ/ሳዓት ይኽፈት መቕረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘይተረኺቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ፖስታ ንምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
8. ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፍ ተወዳዳራይ መኪና ጎማ፣ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ክሳብ ታሕሳስ 30/2017ዓ/ም ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቕርብ ፡፡
9. ተጫረቲ ንዝሰዓሩዎ ዓይነት ንብረት ብናይ ባዕሎም መፅዓኒ መራገፊ መጓዓዓዚን ናብ ቤት ፅሕፈትና ብውዕሎም መሰረት ኣታዊ ዝገብሩ፡
10. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዘ ጨረታ ካብ ተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን45 መዓልቲ ጥራሕ እዩ።
11. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለዝተሓለወ እዩ።
12. ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ኣብ ዝመርፀሉ እዋን ካብቲ መጀመርያ ንክግዛእ ዝወፀ በዝሒ ኣቕሓ ዋጋ ክሳብ 20%( ዒሰራ ሚኢታዊ) ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቕሓ ናይ ምቅናሰ ወይ ናይ ምውሳኽ መሰሌ ሕሉው ከም ዝኾነ፡፡
13. ነቲ ዝተጫረቶ ንብረት ሙሉእ ውሕስና ክህብ ዝኽእል
14. ንዘድሊ ሓበሬታ ጭ - 03 44-41 65 70 /0945825857/0914748486ሓዳሽ ህንፃ - ፊት ንፊት ርእስ
ምምሕዳር ክልል ትግራይ