ምልክታ ዋጋ መቅረቢ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 14/2017 ዓ/ም
ቢሮ ፋይናንስ ምትሕብባር ሃፍትን ንኤጄንሲ ጥሙር ዕደጋ ምዉጋድ ንብረት ንታ ቁፅሪ 4-03689 ት.ግ መኪና ካብ መደበኛ በጀት ዝክፈል ናይ መኪና ጌጣጌጥ/መለዋወጢ/ ኣቑሑት ብፕሮፈርማ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉፋ ትኽእሉ/ላ
መምርሒ ተወዳደርቲ ተጫረቲ
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም፡፡
2. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፍ ዘለዎ፣
3. ናይ ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪTIN ዘለኩም፡፡
4. ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ዝተሓደሰ ዘለዎ፣
5. 2% withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።
6. ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 5' ናይ ስራሕ መዓልቲ እቲ ዝድለ ናይ መኪና ጌጣጌጥ/መለዋወጢ/ ኣቑሑት ክተቅርቡ ትኽእሉ ነጋዶ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድኹም፣ ናይ ግብሪ ከፋላይነት ቁፅሪ TIN/ መለለይ ቁፅር ኹምን ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐትኩምን ኮፒ ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኳንኩም እናገለፅና መወዳደሪኹም ሽም፣ ኣድራሻን ናይ ትካልኹም ማህተምን ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 06/05/2017 ዓ/ም ክሳብ 08/05/2017 ዓ/ም ሰዓት 1000 ክተቕርቡ ክትወዳደሩ ትኽእሉ።
7. እቲ ፕሮፈርማ ዕለት 09/05/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ንቢሮ ቑፅሪ 2-19 ይክፈት"
8. ሳዓርቲ እተቅርብዎ ናይ መኪና ጌጣጌጥ/መለዋወጢ/ ኣቑሑት ቅቡልዝግበር ብናይ ቢሮና ኤንስፔክተር ብዘተጠየቀ ሰፐስፊኬሽን ምካኑ ምስ ተረጋገፀ ኣታዊ ይከውን
9. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
10. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ተራእዩ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 07 ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን፡፡
11. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914775963 ደዊልኩም ምሕታት ይኽእሉ።
ናይ ንኤጄንሲ ጥሙር ዕደጋ ምዉጋድ ንብረት ንታ.ቁፅሪ 4-03689 ት.ግ ሞዴል D22 Nissan
ተ. | ዝድለ ዓይነት ንብረት Material | መፍለይ ቁፅሪ | መዐቀኒ | በዝሒ | ነፀላ ዋጋ | መብርሂ | |
---|---|---|---|---|---|---|---|
ብር | ሳ | ||||||
1 | ሮያል መርጅ ሽቶ | 1 ደረጃ ኦርጂናል | ብቁፅሪ | 02 | |||
2 | ዳሽ ቦርድ ቅብዓት | 1 ደረጃ ኦርጂናል | ብቁፅሪ | 02 | |||
3 | የዉሻ ቆዳ | 1 ደረጃ ኦርጂናል | ብቁፅሪ | 02 | |||
4 | ሶላር ብፀሊም | 1 ደረጃ ኦርጂናል | ብሴት | 01 | |||
5 | ሌዘር ዳብል ፌስ ኮምፎርት | 1 ደረጃ ኦርጂናል | ብሴት | 01 | |||
6 | አልአብ ሙቐት መከላኸሊ | 1 ደረጃ ኦርጂናል | ብሴት | 01 | |||
7 | ወልፊት | 1 ደረጃ ኦርጂናል | ብሴት | 01 |