ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ካብ መደበኛ በጀት ን2008 ዓም በጀት ዓመት ንአብያተ ቤት ፅሕፈት እቲ ወረዳ ዝዉዕሉ ተሽከርከርቲ ዝተፈላለዩ መለዋወጢ አቁሑትን ጎማ መኪና ምስ ካላማደርያ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ቀዒሎም ዝተዘርሩ ረቆሒታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወደደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ቲን ነምበረ ማለት እዉን መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ናይ መቅረባየነት ሰርቲፊኬት ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ዝኮኑ ናይ ወርሒ መጋቢትሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ተጨረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 4 ግንቦት 2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 19 ግንቦት 2008 ዓም Â ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋየናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ንሕድሕድ ዘይምለስ 50 ቅርሺብምክፋል ምዉሳድ ይካኣል

5 ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይንድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም

6 ጨረታ ዝካየደሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ኮይኑ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ 19 ግንቦት 2008 ዓ∙ ም ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፂዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 ተጫረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምረካቦም ናይቲ ጨረታ ስነስርዓት ኣይተኣጋጎልን

8 ተጫረቲ ሰዓራይ ኮይኖም Â ምስተረከቡ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይ ዝሰዓርዎ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚኢታዊ ብጥረገንዘብ ብምትሓዝ ዉዕሊ ኣሲሮም ንብረት ኣብ ዉሽጢ 12 ተከታተልቲ መዓልቲ Â ብናይ ባዕሎም መጋዕዝያ Â ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ብባዓል ሞያ ኣፈቲሾም የረክብ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 35 ናይ ስራሕ መዓልትታት ኮይኑ ቤት ፅሕፈትና 20 % ናይ ምንካይ ወይ ናይ ምዉሳክ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914190333 ወይ 0918083986 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo