1 ናይ ተጫራታይ ሽም ፊርማ ማህተም ኣድራሻ ክትገብሩ ይግባእ
2 ናይ 2016 ዓም ወይድማ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል
3 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል
4 ቲን ቁፅሪ ዘለዎ
5 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ
6 ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሪፖርት ቫት ከቅርብ ዝክእል
7 መከበሪ ጨረታ 15000 ቅርሽ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ተመዝጊቡ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ወድማ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
8 ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንዝሰዓሮ ንብረት መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ተመዝጊቡ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይድማ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
9 ነቲ ዝተመለአ ነፀላ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ወይክዓ ንምንብቡ አፃጋሚ ዝኮነ እንተኮይኑ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን
10 እቲ ናይ ፕሮግራም ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ 17/4/2017 ዓም ክሳብ 25/4/2017 ዓም ኣብ ስራሕ ሰዓት ይከዉን
11 ምልክታ እቲ ፕሮግራም ዕለት 25/4/2017 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓሺጉ 25 /4/2017 ዓም ሰዓት 900 ኣብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት
12 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ከይዲ ምክፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን
13 ተጫረቲ ንዝሰዓርዎ ንብረት ንሐደ ዓመት ዉሕስና ክህብ ዝክእል
14 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ኣብ ዘሎ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲታት እዩ
15 ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ንብረትን ምምሕዳር ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ይክእሉ
16 ሰዓራይ ንዝሰዓሮም ንብረታት ዉዕሊ ካብ ዝአሰሮም ዕለት ጀሚሩ ኣብ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል
17 ሰነድ ጨረታ 300 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳር ምዉሳድ ይከኣል
18 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ