ን3ይ ግዜ ፕሮፎርማ ቑፅሪ -17
አብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ህንፃ መሳርሒ ብምልጣፍ ፕሮፎርማ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:: በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት
• ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ከምኡ እዉን ናይ 2016ዓ/ም ክሳብ ታህሳስ 30/2017ዓ/ም ስለ ዘገልግል ክትሳተፉ ትኸእሉ ምኻንኩም
• ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነትን ዘለኩም::
• ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ/TIN /መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል::
• ተጫረቲ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር /Specification/መሊኦም ከቅርቡ አለዎም::
• መቅረብቲ ካብ ዕለት 14/04/2017 ዓ/ም ክሳብ 16/04/2017 ሰዓት 11: 30 ሰነድ ፕሮፎርማ ክትወስዱ ትክእሉ ::
• ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ ዕለት 17/04/2017ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት::
• እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም ንምክፋት ዝዓግቶ የለን::
• ተጫረቲ እቲ ዘቅረብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ አለዎም::
• ኣብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን
• ተሳተፍቲ ኣብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ
• ኤጀንስና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
• ኣድራሻና ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ አብ ግራዉንድ ክፍሊ ቢሮ ቁፅሪ 1 ወይ 1ይ ደብሪ ቁፅሪ 106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረት::
ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 ኣብ ስራሕ ስዓት ምድዋል ይካኣል::