ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ መረብ ለኸ ናይ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዕዝያን ንናይ ኢራብ መንገዲ መፀገኒ ዝዉዕል ኣብ ጣብያ ደሓርማዝን ሐከይምን ምሩጽ ሓመድ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ኣብ ስራሕ ከዉዕል ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ መረብ ለኸ

ስለዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ

  1. Â ናይ 2007 ዓም ግብሪ ዝከፈለን ናይ 2008 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን ናይ ኤክስካቫተር ወይ ዶዘር ዘለኩም
  2. Â ዝተሓደሰ መቅረባይነት ፍቃድ ዘለዎም
  3. Â ናይ ነጋዳይ መለለዩ ቁፅሪ ማለት ዉን ቲን ነምበር ዘለዎም
  4. ዋንነት መኪና ዝገልፅ ሊብረ ዘለዎ
  5. ሰነድ ጨረታ ካብ ወረዳ መረብ ለከ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዕለት 1 ግንቦት 2008 ዓም Â ጀሚሩ ክሳብ 15 ግንቦት 2008 ዓምÂ ምዉሳድ ይከኣልÂ
  6. Â ናይ ጨረታ ፖስታ ቅድሚ ምክፋቱ 5000 መክበሪ ጨረታ ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ድማÂ Â ብዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎ
  7. ሰዓራይ ጨረታ ንማሽን ዘድሊ ነዳዲ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ዝጥቀም ከምኡዉን ናይ ዝሰርሐሉ ጣብያታት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ዘጋዓዕዝ ኮይኑ ካብ ከተማ ጭላ ናብ አሰይለ ዘሎ 8 ኪሎ ሜትር ኮይኑ ካብ ከተማ ሕስና ናብ ደብሪ ሓርማዝ ድማ 14 ኪሎ ሜትር
  8. Â እቲ ጨረታ 16 ግንቦት 2008 ዓም ሰዓት 4፡00Â ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 2008 ዓምÂ ሰዓት 4፡30Â ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ መረብ ለኸÂ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም ኬዝ ቲም ዕደጋ ይክፈት
  9. Â ዝሰዓረ ኣካል ሰዓራይ ምካኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ Â ምስተነገሮ ዉዕሊ ክአስር አለዎ
  10. ሰዓራይ ጨረታ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ሙሩፅ ሓመድ አኪቡ ክዉድእ አለዎ
  11. Â እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ/ቁ 0345550125 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo