ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ 2017 ዓ/ም ንኣጠቓላሊ እቲ ዓመት ስራሕ መካየዲ ግልግሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ ናይ ማይ ትቦን መገጣጠምን ፣ ናይ ኤለክትሪክ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎ ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ 2017 ዓ/ም ንኣጠቓላሊ እቲ ዓመት ስራሕ መካየዲ ግልግሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ ናይ ማይ ትቦን መገጣጠምን ፣ ናይ ኤለክትሪክ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ፡፡

በዙይ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ መሰረት ንክትወዳደሩ ንዕድም

1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩምን ናይ 2017 ዓ/ም ዘሐደስኩም

2. ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ /ቫት/ ምስክር ወረቐት ዘለዎን ዝከፍልን

3. እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ

4. ናይ መቕረባይነት መለለዪ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን

5. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዪ ካርዲ (TIN)ዘለኩም

6. ናይቲ ጨረታ መክበሪ ንናይ ትቦን መገጣጥምን ቆፀርትን 150,000 ብር ( ሓደ ሚኢትን ሓምሳን ሽሕ ብር ) ፣ንናይ ኤለክትሪክ 20000(ዒስራ ሽሕ ብር)፣ንናይ ፅሕፈት መሳርሒ 5000 ብር(ሓሙሽተ ሽሕ ብር)ብኣፍልጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ክትሕዝ ዝኽእል

7. ሻት ሓዊሱ ክመልእ አለዎ

8. ናይ ወርሒ ሕዳር (ታሕሳስ) 2017 ዓ/ም ዴክላረሽን ዝኸፈለሉ ከቕርብ ኣለዎ።

9. ንሓደ ሰነድ መሸጢ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ(ሓደ ሽሕ ቅርሺ)ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ዓብይ ዓዲ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ክፍሊ ብምግዛእ ክጫረት ዝኽእል

10. ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ብምውሳድ ብክልተ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተዓሸገ ፖስታ ናይ በዓል ዋና ማህተምነ ፊርማን ብምፅሓፍ ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳፅን የእቱ፡፡

11. ምልክታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 11/04/2017 ዓ/ም ክሳብ 05/05/2017 ዓ/ም

12. ሳንዱቕ ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 05/05/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ንጉሆ

13. ጨረታ ዝኸፈተሉ ቦታ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ኮይኑ ዕለት 05/05/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ንጉሆ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ፣ ኣብ ዘይተረኸብሉ እውን እቲ ጨረታ ይኽፈት "

14. ዘሸነፈ ተጫራታይ ንዘሸነፈሎም ኣቁሑት መጓዓዓዚ ኾነ መፅዓንን መራገፍን ባዕሉ ይሽፍን /ናብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ የርክብ፡

15. ተጨራታይ እቲ ጨረታ ኣሺንፍካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ውዕል ብምእሳር ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ተከታተልቲ ስራሕ መዓልቲታት ንብረት የቕርብ፡፡

16. ብኣሸናፍነት ተመዝጊቡ ብእዋኑ ንዘይኣቕረበ ኣቑሑት በቲ ናይ ጨረታ ደንቢ መሰረት ኣብ መዓልቲ /1000 ብር ይቕፃዕ ፡፡

17. ዝኾነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ ኣብቲ ዝወሰዶ ዝተዳለወ ባዶ ጨረታ ሰነድ ብትክክል

ኣቐሚጡ ክወዳደር ኣለዎ ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቕርብ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይቕበሎን ውድቂ ይኸውን፡፡

18. ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃእን ኣብቲ ቅጥዒ መብርሂ ኣብ ዝብል ምምላእን ምንካእ ምስራዝ ኣይፍቀድን

19. ኣብ ዘቕርቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ሽሙ ፣ ፌርሙኡን ኣድራሽኡን ማህተም ናይቲ መቕረባይ(ድርጅት) ብትክክል ዘየቐመጠ ንምንባብ ኣፀጋሚ ዝኾነ ፊደል ወይ ኣሃዝ ዘቐመጠ ብቀጥታ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ፡፡

20. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።

21. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁዕርታት ስልኪ 0914241851/0914043039

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo