ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ንቤት ፅሕፈት ናይ መደበኛ በጀት ዴስክ ወንበር ንተምሃሮ አጫሪቱ ክገዝእን ከስርሕን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕናጣሎ ዋጅራት

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ በቢዘፈሩ ዘለዎ
  2. ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩምን
  3. ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን
  4. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ
  5. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
  6. ኩሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝሰዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
  7. መክበሪ ጨረታ3,000 ቅርሺ ንነፍስወከፍ ብጥረገንዘብ ወይ በባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  8. ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
  9. ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልትታት ዉዕሊ ክአስር ዝክእል
  10. ሰዓራይ ኣካል ካብቲ ዝሰዓሮ 20% ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን እቲ ወረዳ ምዉሳክ ወይዉን ምንካይ ዝክእል ምካኑ ይገልፅ
  11. ኣብቲ ዝወፀ ሰነድÂ ጨረታ ወይድማ ስፐስፊኬሽን ስርዝ ድልዝ እንተሃኒዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
  12. ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ትክእሉ
  13. ብተወሳኪ ብመምርሒ ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 ተፈፃሚ ይከዉን
  14. ሰዓራይ ኣካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ኣብቲ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዝተጠቀሰ ጣብያታት ምስ መጋዓዕዝዩ መራገፊኡን ክሽፈን ዝክእል
  15. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ 30 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ክምዝክእል ብፊርምኦም ከረጋግፁ አለዎም
  16. ኣብቲ ጨረታ ዝወፀ ዝርዝር አቁሑት ኣብ 20 መዓልቲ ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል
  17. ሳንዱቅ ጨረታ 16 ግንቦት 2008 ዓም ሰዓት 3 ፡30ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጋጎልን
  18. እቲ Â ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344370246 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo