ቤት ፅሕፈት ቀረብ ማይ ከተማ ዕ/ሓሙስ ብብርኪ 3ተ ካብ ሓምለ 1/ 11 /2005 ዓም ጀሚሩ ክሳብ ሰነ 30 /10/ 2006 ዓም ዘሎ ሒሳብ ምንቅስቃስ ብዉክልናን ብደገ ኦዲተር ኦዲት ክግብር

ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ  

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ስራሕቲ ኦድት

ቤት ፅሕፈት ቀረብ ማይ ከተማ ዕ/ሓሙስ ብብርኪ 3ተ ካብ ሓምለ 1/ 11 /2005 ዓም ጀሚሩ ክሳብ ሰነ 30 /10/ 2006 ዓም ዘሎ ሒሳብ ምንቅስቃስ ብዉክልናን ብደገ ኦዲተር ኦዲት ክግብር ስለ ዝደለየ አብ ትሕቲ ኣመራርሓን ክትትልን ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ እትርከቡ ዝተፈቐደሎም ዉልቀ አዲተራትን ኦዲት ትካላትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ኦዲት ክግብር ስለ ዝደለየ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለኩምን ክትሳተፉ ይዕድም::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቁሓ

1 ንቤት ዕዮና /ትካልና/ ኦዲት ንምክያድ ዘክእል ብርኪ 1 -2 ብቅዓት ሞያ ኦዲተርነት መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ዘለዎም::

2 ናይ 2007 ዓ/ም ሞያዊ ብቅዓት መረጋገፂ ሰርትፍኬትን ንግዲ ፍቃድን ዘሐደሰ::

3 ንግዲ ፍቃድ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክሲ /ተመዝጋቢ ንዝኮነ /መለለዩ ግብሪ ከፋላይነት /Tin No/ካልኦት ንጨረታ ዝጠቅሙ መረዳእታት ምስ ዋና ዝተገናዘቡ ፎቶ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል::

4 ንኦዲት ግልጋሎት ካብ ዘቕርብዎ ጠ ዋጋ መኽበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተመስከረሉ CPO ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ 2 % ከትሕዝ ዝኽእል::

5 ኦዲት ዝግበር ሒሳብ አብ ዕ/ ሓሙስ ከተማ ቀረብ መስተ ማይ ምኮኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ::

6 ሰነድ ጨረታ አብ ቢሮ ቁፅሪ 1 ካብ ዕለት 11 /2/ 2007 ዓ/ም ክሳብ 20/ 2 /2007 ዓም ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ ብረ 30.00 /ሳለሳ ብር/ ከፊሎም ምዉሳድ ይኽእሉ::

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ሓፈሻዊ ዋጋ ቫት ቲኦቲ ሓዊሱ ብምምላእ ብዝገባእ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ፋይናንሻል ቴክኒካልን ነንበይኑ ኣብ አርባዕተ ፖስታ ብምዕሻግ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ሳንዱቅ ናብ ቢሮ ቑፅሪ ሐደ ከእትዉ አለዎም::

8 እቲ ጨረታ አብ ቢሮ ቑፅሪ ሐደ ዕለት 20/ 2 /2007ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፂዉ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ይክፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም ቤት ዕዩና ጨረታ ፖስታ ምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

9 ቤት ዕዮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብከፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 347730269 ምሕታት ይከኣል::

                                                                              ማይ ሂወት እዩ ንዓ ቅባ !!

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo