ኮሌጅ ሕርሻ ሽረ እንዳስላሰ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ንብረታት ማለት እዉን ናይ ሳይክል መለዋወጢ፡ አቁሑት ሞተር ሳይክልን፡ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮሌጅ ሕርሻ ሽረ እንዳስላሰ

ብመሰረት እዚ ነዞም ዝስዕቡ ረቀሕታት ዘማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክወዳዱ ንዕድም

  1. ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ዘቅርብ
  2. ቲን ነምበር ተወሳኪ ታክስ ናይ ወርሒ ለካቲት ወይ ወርሒ መጋቢት ወይ ሚያዝያ 2008 ዓም ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዋናን ዘይምለሰ ቅዳሕን ዘቅርብ
  3. ዘቅርብ ንብረት ኩሉ ኦርጅናል እቲ ዝርዝር ከይተለወጠ ትካልና ብዝመረፆ ብዝአመነሉ መሰረት የቅርብ
  4. ሰነድ ጨረታ 30 ቅርሺ ብምክፋል ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ቢሮ ቁፅሪ 11 ምዉሳድ ይከኣል
  5. ተጫራታይ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት መጋዓዚ ባዕሉ ናብ ትካልና ንብረት ክፍሊ ዘቅርብ
  6. መእሰሪ ዉዕሊ 10% የትሕዝ
  7. ዝምላእ ዋጋ ምስ ተወሳኪ ታክስ ሓዊሱ ይመልእ
  8. ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ካብ ዉዕሊ መዓልቲ አሕሊፉ እንተቅሪቡ ናይ ዘይአቅረቦ በቢ መዓልቱ 0.1 % ይቅፃዕ
  9. መክበሪ ጨረታ ሲፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረገንዘብ ዘትሕዝ ኮይኑ ንነፍስወከፍ ዘርፊ 5000 ቅርሺ ከትሕዝ አለዎ
  10. ትካልና 20% ናይ ምንካይን ናይ ምዉሳክን ከምኡዉን ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለዉ እዩ
  11. ኣብ ዝመልኦ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ካብ ኦርጅናል ንብረት ወፃእ ምቅራብን ክተቅርብ ምፍታንን ኣይፍቀድን
  12. ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 1 ግንቦት Â 2008 ዓም ኮይኑ ዝዕሸገሉ ድማ 16 ግንቦት 2008 ዓም ሰዓት 3፡00 ቅድሚ ቀትሪ ዝክፈተሉ ድማ 16 ግንቦት ሰዓት 3፡30 ይከዉን

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0344443173 ወይ 0919058792 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo