ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዳይሬክተር ዕደጋን ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳር ንቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ቑ/ፕሮ-26

ቑፅሪ- ዕክንም788/2-3/1/01

ዕለት-09/04/17ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዳይሬክተር ዕደጋን ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳር ንቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ስለዚ ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ በቲ ንግዲ ዘርፊ ዝሓቶ መሰረት

1. ናይ ዘበኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቕረብቲ ዝተመዝገብኩምሉ መረጋገፂ ቲን ናምበር ሰለሰቲኡ ፎቶ ኮፒ ምስ ተቕርብዎ ናይ ዋጋ መግለፂ ብምትሕሓዝ ብፓስታ ኣሺኩም ንዕለት 11/04/17ዓ.ም ሰዓት 10:30 ናብ ቑፅሪ ክፍሊ 3-18 ምቕራብ ይግባእ:: ዝቐረበ ፕሮፎርማ ዕለት 14/04/17ዓ.ም ሳዓት 02:30 ዝኸፈት ምዃኑ ንገልፅ::

2. እቲ ዝቐርብ ኣቅሓ በቲ ዝተጠቀሰ ስፐስፊከሽን መሰረትን ኦርጅናልን ክኸውን ኣለዎ

3. ካብ ዝቐረቡ ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምስተነፀረ ኣብ ውሽጢ 3' ተካታታሊ መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ከቅርብ ዝክእል

4. ኣብቲ ዝተጠቀሰ ግዜ ውሽጢ ክተረክቡ ትኽእሉ ምዃንኩም አረጋጊፅኩም ክትመልኡ ይግባእ ሳዓራይ ምስተበሃለ ዘየቅርብ ዋጋ መሊኡ ዘቅረበ ትካል አብዚ ቤት ዕዮ ንዘጋጥም ምጉልእላእ ተሓታቲ ይኸዉን

5. አብ ዘይምልከቶ ዘርፊ ንግዲ ዋጋ መሊኡ ዘቅረበ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይግበር

6. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተከፈተሉ መዓልቲ ጀሚሩ ን7 ስራሕ መዓልታት ጥራሕ ይከውን

7. እቲ ጊዚያዊ ቤት ፅሕፈት ዳ/ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ር/ ኣብ ዘውፅኦ በዝሒ ምቕናስ ውይ ምውሳኽ ከምኡ 'ውን ብሙሉእ ወይ ብኽፋል እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

8. ንዝድለ ሓበሬታ ብአካል ወይ ብሰልኪ ቑፅሪ 0344-406451/0914732577 ምሕታት ይካአል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo