ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ሴክተር ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መካይን መለዋወጢ አቁሑት ፣ናይ ቢሮ አቁሑ፣ ናይ እንስሳት ሓለዋ ጥዕና ንብረትን ኬሚካላትን ፣ናዉቲ ቤተ ፈተና፣ መፃሕፍትን ኣብያተ ትምህርቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስሚንቶ ካብ ከተማ መቀለ ናብ ከተማ ዶሃ ከጋዓዕዝ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ

ካብዚ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቀሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶን ትካላትን ንክትጫረቱ ብክብሪ ይዕድም

  1. ናይ 2008 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈለን ክከዉን ኣለዎ
  2. ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ፣ ካርዲ መቅረባይነት ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪን ካልኦት ዘድሉ መረዳእታን ቅዳሕ ከቅርቡ ዝኸእሉ
  3. ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ መጋቢት ወይ ዉን ሚያዝያ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘለዎም ንስሚንቶ አይምልከትን
  4. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 26 ሚያዝያ 2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 11 ግንቦት 2008 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነደ ጨረታ ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስት ምእታዉ ይከኣል
  5. መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ንመካይን መለዋወጢ አቁሑ 3,000 ቅርሺ ፣ንፈርኒቸር 4000 ቅርሺ፣ ንሓለዋ እንስሳ ጥዕና ንብረትን ኬሚካላትን 3500 ቅርሺ ፣ንቤተ ፈተነ 2000 ቅርሺ ፣ንመፃሕፍቲ 1500 ቅርሺ ፣ንስሚንቶን ፍሩስካን መጋዓዚ ድማ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  6. ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ሰዓራይ ምካኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  7. መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚኢታዊ ካብ ጠቅላላ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል
  8. እቲ ጨረታ 11 ግንቦት 2008 ዓም ሰዓት 8፡ 00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ዶሃ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘተረከብሉ ይክፈት
  9. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0343450110 ወይድማ 0343450112 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo