ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ኣብ 2017 በጀት ዓመት በጀት /Peace Support Facility/ (PSF) ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ንምግዛእን ናይ ጋራጅ ፅገና ግልጋሎትን ንምርካብን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ብምድብ/LOT/ መቒሉ ማለት እውን ምድብ-1/LOT-1 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት፣ ምድብ-2/LOT-2፡- ናይ ጋራጅ ፅገና ግልጋሎት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግንግልጋሎት ክረክብን ይደሊ::

ቢሮ ፋይናንስን ምትሕሕባር ሃፍትን

ቁፅሪ ፋ/ም/ሃ/03/ግ-ጨ/10

ቑፅሪ 02/2017 ዓ/ም 

ዕለት 19/03/2017 ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ኣብ 2017 በጀት ዓመት በጀት /Peace Support Facility/ (PSF) ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ንምግዛእን ናይ ጋራጅ ፅገና ግልጋሎትን ንምርካብን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ብምድብ/LOT/ መቒሉ ማለት እውን ምድብ-1/LOT-1 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት፣ ምድብ-2/LOT-2፡- ናይ ጋራጅ ፅገና ግልጋሎት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግንግልጋሎት ክረክብን ይደሊ::

ስለዚ

1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ 2016/17 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣ ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

2. ንተወሳኪ እሴት ታክሲ / VAT ዝተመዝገበ፡ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ መስከረም/2017 ዓ.ም VAT ድክላሬሽን ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

3. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ 2016/17 ዓ/ም ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

4. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15' ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ እስፔስፍኬሽን መሰረት ከቅርብ ዝኽእል ፣

5. ናይ መኪና ጋራጅ ዕገና ብመንገድ ትራንስፖርት ካብ 3 ደረጃን ንላዕሊን ዝተዉሃቦም ክኸዉን ይግባእ፣

6. ተጫራቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ነንበይኑ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከቅርብ ዝኽእል፣

7. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ፣ ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፣

8. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ምድብ--ን ምድብ-2 /LOT-1LOT-2 ንዘለዉ

ዝርዝር ንብረታት ንሕድ ሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00/ ሓደ ሚዒቲ ቅርሺ ጥራሕ⁄ እናኸፈልኩም ካብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዳ/ዳሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 /2-01 ካብ 20/03/2017 ዓ/ም ክሳብ 04/04/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል፣

9. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሰነድ ጨረታ ንLOT-1 ብር 20,000.00/ ዒስራ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ንLOT- 2 ብር 10,000.00/ ዓሰርተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን /Bureau of finance & Resource Coordination/ ብCPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ውይ ድማ ብጥረ-ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል፣

10. እቲ ጨረታ ዕለት 04/04/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡30 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 5፡00 ቅ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዕደጋ ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።

11. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12. እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ/ክውስክ/ ይክእል እዩ።

13. ሰዓራይ እቲ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብበዓል ሞያ ቲሓር /ICT / ናይ ሞተር ሳይክል ድማ ብኤንስፔክተር /መዓል ሙያ መካኒክ/ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምሰተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን፡፡

14. ናይ ጋራጅ ሰዓራይ ዝፍለጥ ቴክኒካል 50% ፋይናንሻል ድማ ካብ 50% ይኸውን፡ ሰዓራይ ዝኾነ ትካል ንሰለስተ ዓመት ዉዕሊ እናተሓደሰ እቲ ግልጋሎት ዝህብ ይኸዉን።

15. ንዝበለፀ ሓበሬታ ሞባይል ቑፅሪ 0914775963 ደዊልካ ምሕታት ዝካኣል ምዃኑ ንሕብር ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo