ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና መቀያየሪ ኣቁሑት ስፔር ፓርት ካብ ሕጋዉያን መቕረብቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግድ ፍቃድ ዘለዎን ናይ 2008 ዓም ዘሐደሰን ኮፒ መረዳእታ ኣተሓሒዙ ዘቅርብ

2 ኣብ ቢሮ ትልሚን ፋይናስን ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ TIN No ዘለዎ

3 ዝተሐደሰ መቕረባይነት ሴርትፍኬት ዘቅርቡ

4 ናይ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ዝመልእን ናይ መጋቢት 30/2008 ዓም ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቅርብ

5 ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ 3000 /ሰለስተ ሽሕ/ ብሸም ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ብዝተረጋገፀ ኣብ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ዝክእል

6 ዋጋ ዝመልአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብቤት ፅሕፈትና ብዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ይመልእ

7 ዋጋ ዝምልአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ 2 ዘይምለስ ብር 30 /ሰላሳ/ ብምክፋል ካብ ዕለት 20/08/2008 ክሳብ ዕለት 10/09/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ቀትሪ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

8 ሰነድ ጨረታ ተመሊኡ ብፖስታ ኦርጅናል ኮፒን ነንበይኑ ዓሺጉ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 10/09/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 የእትዉ

9 እቲ ጨረታ ዕለት 10/09/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓሺጉ በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓተ 4:30 ይኽፈት መቅረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘይተረኪቦም እቲ ቤት ፅሕፈትና ጨረታ ፖስታ ንምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ተጫራተይ ንዝሰዓርዎ ዓይነት ንብረት ብናይ ባዕሎም መፅዓነን መራገፊን መጓዓዓዚን ናብ ቤት ፅሕፈትና ብዉዕሎም መሰረት አታዊ ዝገብሩ

11 ቤት ፅሕፈና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ስቁ 0344401099

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo