ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸራሮ ማሕበረሰብ ዕድጋ ኮሜቴ ጣብያ ኣልጋነሽ ብናይ ስደተኛታት ፅዕንቶ ምንካይ ፕሮጀክተ ልምዓት ማለት DRDIP2 ብዝተረከበ ድጋፍ በጀት ንዝስራሕ ሐደ ብሎክ ወይ ሐደ ህንፃ ናይ መጋቢት 20 ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ናይ ላዕሊ ማለት እዉን ቐዳማይ ደብሪ ምስፍሕፋሕ ሐድሽ ህንፃ ክህንፅ ስለዝተደለየ ኩሉ ብርኪ ብዘይፈሊ ናይ ህንፃ ኮንስትራክሽን ማለት BC ኮንስትራክሽን ህንፃ መንገዲ GC ፍቃድ ነግዲ ዘለኩም ኮንትራክተራት ብዝተዳለወ ዲዛይን ስፐስፊኬሽንን መሰረት ንጉልበትን ብክፋል መሳርሕን ፎርም ወርክ ንማይ ምቅራብ ምስታይን ከምእዉን ኣብ ናዉቲ መሳርሒ ህንፃ እትወዳደሩ ብናይ ናዉቲ መሳርሒ ህንፃ ፍቃድ ዘለኩም አወዳዲሩ ከስርሕን ክዕድግን ይደሊ

ማሕበረሰብ ዕደጋ ኮሜቴ ጣብያ ኣልጋነሽ

1 ንሕድሕ ዘፈር ንግዲ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎም ነዚድማ መረዳእቱ ብቅዳሕ ዘቅርብ

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስን ዝኮነን ናይ ወርሒመስከርም ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ብቅዳሕ ዘቅርብ

3 ዝተሐደሰ ናይ 2017 ዓም በጀት መረዳእታ መቅረባይነት ዘለዎ

4 ናይ ህንፃ ኮንስትራክሽን ማለት ጉልበት ብክፋል መሳርሒን እትወዳደሩ ተኮናተርቲ ብቅዓት መረጋገፂ ማለት ናይ ተኮናተራንት መረዳእቱ ንፁር ብዝኮነ ምልክዕ ከቅርብ ዝክእል

5 ብተወሳኪ ቅድም ሒዚ እንተወሐደ ናይ ሐደ ፕሮጀክት ልዕሊ ክልተ ሚሊዩን ተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሐ ምኮኑ ሕጋዊ መረዳእታ ብዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

6 ከምእዉን መሳርሒታት ህንፃ ማለት ሚክሰርን ቫይቭረተርን ናይ ባዕሉ እንተኮይኑ ናይ ዋንነት መረዳእታ ብክራይ እንተኮይኑ ድማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ዉዕልን መርትአዖን ዝፀደቀ ዉዕሊ ኪራይ ዋና ቅዳሕን ከቅርብ አለዎ

7 መስማር ቀላሚጦስ ቀረብ ማይን ምስታይን ብሰዓራይ ተኮናተራይ ይፍፀም

8 መከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ዘፈር ማለት ንቀረብ መሳርሒ ህንፃ 30000 ቅርሺ ንህንፃ ኮንስትራክሽን ማለት እዉን ጉልበት እዉን 30000 ቅርሺ ጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ብማሕበረሰብ ዕደጋ ኮሜቴ ጣብያ ኣልጋነሽ ከትሕዙ ዝክእሉ

9 ትሕጆም ብስፒኦ ተዝኮን ተመራፂ ይከዉን

10 ሰነድ ጨረታ ንሕድሕድ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ምዉሳድ ይከኣል

11 ሰዓራይ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተነገሮ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ተከታተሊ መዓልቲታት ዉዕሊ ክኣስር አለዎ

12 ዝዓሰሮ ዉዕሊ ድማ ንሳርሕቲ ህንፀት 90 መዓልቲ ንቀርብ ናዉቲ መሳርሒ ህንፃ 15 መዓለቲ ይከዉን 

ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት1/4/2017 ዓም  ሰዓት 4:00 ኮይኑ ጨረታ ዝከፈተሉ ድማ ዕለት 1/4/2017 ዓም ሰዓት4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተከብሉ ይክፈት

13 መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ካብ ዝስዓሮ ጠቅላላ ዋጋ የትሕዝ

14 ብተወሳኪ መሳርሒ ህንፃ ዝሰዓረ ተወዳደሪ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ከተማ ሸራሮ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ፅሬቱ አመርሚሩ አታዊ ይገብር

15 ኣብ ዘፍር ህንፃ ኮንስትራክሽን እትወዳደሩ ተጫረቲ መወዳደሪ ጨረታኩም ብሰለሰት ዝተዓሸጉ ፖስታታት ማለት ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ነንበኖም ተዓሺጎዖም ብሐደ ዓብይ ፖስታ ተጠሚሮም ሽም ትካል ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ ሕድሕድ ፖስታ ተፃሓፊዎ ብሳንዱቅ ጨረታ ክኣትዉ አለዎ

16 እቲ ሳንዱቅ ጨረታ ብትክክል ሚሊኦም ፈሪሞምን ማህተምን ብምግባርን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ ከየዛብዑ ከምዝነበሮ ክመልኡ አለዎም

17 ክፍሊት ዝምልከተ መሳርሒ ህንፃ እቲ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ አታዊ ምስኮነ ይክፈሎ ንስራሕቲ ህንፃ ኮንስትራክሽን ድማ ብዝተሰርሐ መሰረት ክምእዉን ብዛአተዎ ዉዕሊን ብትእዛዝ ናብ ዝንልክቶ ኣካል በዓል ሞያ እናተረጋገፀ ዝክፈል ምካኑ ክንሕብር ንፈቱ

18 ኬሚቴ ጣብያ ኣልጋነሸ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ብተወሳኪ ሐበሬታ 0914259231 0912995394

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo