አብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሕን ናይ ኤሌክትሮኒክስን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ

ምልክታ ን2 ግዘ ዝወፀ ፕሮፎርማ ቑፅሪ -14

አብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሕን ናይ ኤሌክትሮኒክስን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት

• ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነትን ዘለኩም::

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪTM/መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል::

• ተጫረቲ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር /Specification/መሊኦም ከቅርቡ አለዎም::

• መቅረብቲ ካብ ዕለት 16/03/2017 ዓ/ም ክሳብ 18/03/2017 ሰዓት 11: 30 ሰነድ ፕሮፎርማ ክትወስዱ ትክእሉ ::

• ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ ዕለት 19/03/2017ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት:: እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም ንምክፋት ዝዓግቶ የለን::ተጫረቲ እቲ ዘቅረብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ አለዎም::

• ኣብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን

• ተሳተፍቲ ኣብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ

• ኤጀንስና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ኣድራሻና ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ አብ ግራዉንድ ክፍሊ ቢሮ ቁፅሪ 1 ወይ 1ይ ደብሪ ቁፅሪ 106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረት::

ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 ኣብ ስራሕ ስዓት ምድዋል ይካኣል::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo