ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም አብ 2008 በጀት ዓመተ ንግልጋሎት ኣብያቲ ፅሕፈት ወረዳና ዝዉዕሉ ዝተፋላለዩ ዓይነት ንብረት ኣወዳዲሩ ብግልፂ ጨረታ ክዕድግን የደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ አፈሹም

ካዕቲ ኢድ ሩፍ ካችመንት፡ ቀወምቲ አቁሑት ቢሮ ፡መሳርሒ ፅሕፈትን ሕትመትÂ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ መጋቢት ዝርዝር ከቅርቡ ዝክእሉን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ ዝትሓደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዘለዎምን

  1. ንሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስነ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ምዉሳድ ይከኣል
  2. መክበሪ ጨረታ ንአቁሑት ፈርኒቸር 5000 ቅርሺ ንሕትመት 3000 ቅርሺ ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000 ቅርሺ Â ናይ ፍልፍል ምጉልባትንÂ ካዕቲ ኢድን ሩፍ ካችመንትን 5000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይእዉን ብሲፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብዝወሃበ ዝተረጋገፀ ቼክ ተጫረቲ ከትሕዙ ኣለኩም
  3. ሳነዱቅ ጨረታ ዝርከበሉ ቦታ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹምÂ እንትከዉን ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 21 ሚያዝያ 2008 ዓም ጀሚሩ ንተጨረቲ ክፍቲ ይከዉን
  4. ጨረታ 10 ጉንበት 2008 ዓ ም ሰዓት 8 ፡00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይዉን ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  5. ሰነድ ጨረታ ዝተዳለወሉ ቋንቋ ትግርኛ እዩ
  6. እቲ ናይ ጨረታ መዓልቲ በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል መዓልቲ እቲ ጨረታ ይካየድ
  7. ኣብ ማይ ጉድጋድ ፍልፍል ምጉልባት ሩፍ ካችመንት ዝጫረቱ ደረጃ 8 ክኮኑ አለዎም
  8. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344451137 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo