ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ አድያቦ ዶዘር ማሽን ሲኤፍፒ ኤስኣር ዝዓይነታ ን 45 ሰዓታት ክራይ ከመኡዉን ፍረ ማንጎ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕደግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ አድያቦ

ኣብዚ ከትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ክተማልእዎም ዘለኩም ረቀሕታት ዝስዕብ ይከዉን ናይ

  1. 2007 ዓም ግብሪ ዝከፈለ
  2. ናይ 2008 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን
  3. ናይ ወርሒ ለካቲት ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን
  4. መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ነምበር ናይ መቅረባይ ምስክር ወረቀት ዝተሓደሰ ከቅርብ ዝክእል
  5. ናይ ስርሕቲ ህንፃ ኮንስትራክሽን ስራሕ ፍቃድ ክተቅርቡ እትክእሉ
  6. ብናይ ባዕሉ ካብ ጠቅላላ ወፃኢ ዓርሱ ዝክእል ማለት እዉን ነዳዲ በዓል ሞያ ኦፕሬተር ካልእዉን ኣብቲ ሰነድ ይመልከቱ
  7. ከይዲ ጨረታ ብዘይአግባብ ንመዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ጨረታ ከይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዘስዕበን ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ
  8. ንነፍስወከፍ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 70 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍሊ ቁፅሪ 20 ክትወስዱ ትክእሉ
  9. ነፍስወከፍ ሰነድ ጨረታ እንትምላእ ሽም አድራሻ ፊርማ ማሕተም ክዓርፎ አለዎ
  10. መክበሪ ጨረታ ንነፍስወከፍ ሰነድ 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
  11. ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝልቀቀሎም ሰዓራይ ዉዕሊ ምስኣሰረ ይከዉን
  12. ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣሰር ከሉ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 5% ከትሕዝ ዝክእል ተቀባልነት ብዘለዎም ካብ ዝተፈለጡ ትካል መድሕን ዝቀረበ ኮይኑ 20% ኣብ ኩነታት ዉሕስና ዝተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና እንተኮይኑ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ 10% ከትሕዝ ዝክእል
  13. እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ከምአድላይነቱ ዝስራሕ ፕሮጀክት ክሳብ 20 % ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል
  14. ጨረታ 28 ሚያዝያ 2008 ዓም ዝዕፀወሉ ሰዓት 4 ፡30 ዝክፈተሉ ድማ ኣብዚ ዕለት ሰዓት 5፡00 ይከዉን
  15. እቲ ሰነድ እንትምላእ ዝርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ፊርማ ክዓርፎ አለዎ
  16. ኣብ ስራሕቲ ህንፃ ኮንስተራክሸን ዝሳተፉ ናይ ባዕሉ ዶዘር ማሽን ዘለዎ ሕጋዊ ፍቃድ ዝሓዘ ወይድማ ዉክልና ዘለዎ ክከዉን አለዎ
  17. እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  18. ሰነድ ጨረታ ዋናን 2 ቅዳሕን ነንበይኑ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ
  19. ሰዓራይ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10% ዉዕሊ መክበሪ ከትሕዝ ዝክእል
  20. ናይ ዝቅረብዎ ዓይነት ንብረትን ንግዲ ፍቃድን ዋናን 2 ቅዳሕን ከቅርቡ ይግባእ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344320094 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo