ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕል ተከላ መብራህቲ ጎደና : መብራህቲ ትራፊክ : ዕደጋ ፖልን ኣምፖል መብራህቲ ጎደና: ክራይ ኤክስካፓተር : ናይ ጎደና ተክልታትን ብግልፂ ጨረታ ብግልፂ ጨረታ ከስርሕን ክገዝን ስለዝደለየ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝክፈሉ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ: ቲን/TIN/ : ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎምን :VAT ተመዝገብቲን ናይ ቫት ዲክሌሬሽን ዝቕርብ::

2 ንተከላ መብራህቲ ጎደና መብራቲ ትራፊክ ብኤሌክትሮ መካኒካል ደረጃ 7 ልዕሊኡን

2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፍኬሽን ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናስን ምምሕዳርን ንብረት Â ካብ 18/08/2008 ዓ/ም ጀሚሩ 50.00 ብር ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካኣል

3 ናይ ጨረታ መኽበሪ ንተከላ መብራህቲ ጎደና 100,010.00 : ንመብራህቲ ትራፊክ 25,000 ንዕድጊት ፖልን አምፖለን መብራህቲ ጎደና 30,000 ብር : ንክራይ ኤክስካፓተር 10,000 ንተክልታት ጎደና 3000 ብር ከትሕዝ ዝኽእል ትኽእል

4 ሰነድ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት ንተከላ መብራህቲ ጎደና ን ንመብራህቲ ትራፊክ 8/9/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 8/9/2008 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ይክፈት ሰነድ ጨረታ ንዕድጊት ፖልን አምፖለን መብራህቲ :ንክራይ ኤክስካፓተር : ንተክልታት ጎደና 3/9/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 3/9/2008 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ይኽፈት::

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሐደ ኦርጅናልን ክልተ ኮፒ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል::

6 ናይ ጨረታ መዕፀዉን መኽፈትን በዓል እነተዊዒሉ ኣበ ዝቕፅልናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይኸዉን::

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

8 ኣድራሻና ኣጋአዚ ኦፕረሽን ህንፃ ድሕሪ እናዳ ማርያም ቤተ ክርስተያን እዩ::

9 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344408501 ደዉልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo