ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ክፍለ ከተማ ኩሓ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ቢሮ ኣቕሑት 1 ፅሕፈት መሳርሒ 2 ሕትመት . 3 ናይ መኪና ስፔር . 4 ፅሬት ኣቑሑት . 5 ኤሌክትሮኒክስ 6 ናይ ስፖርት ዕጥቂ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ

                                 ጨረታ ምልክታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ክፍለ ከተማ ኩሓ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ቢሮ ኣቕሑት 1 ፅሕፈት መሳርሒ 2 ሕትመት . 3 ናይ መኪና ስፔር . 4 ፅሬት ኣቑሑት . 5 ኤሌክትሮኒክስ 6 ናይ ስፖርት ዕጥቂ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:: በዚ መሰረት ነዚ ዝስዕብ ረቆሓታት እትማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ንዕድም::

  1. ናይ 2007 ዓ/ም ተጫረቲ ክትወዳደሩ ንዕድም::

  2. መለለይ ግብሪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር ከቐርብ ዝኽእል::

  3. ናይ መቕረብቲ ምዝገባ መለለይ ካርዲ ዝተሐደሰ ከቕርብ ዝኽእል::

  4. ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 11/ 02 / 07 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝካኣል ኮይኑ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ዕለት 01 /03 / 07 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓሽጉ ብተመሳሳሊ ዕለት 01 /03/ 07 ዓም ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት::

  5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድቦንድ ናይ ፅ/ መሳርሒ 5000.00 / ሓሙሽተ ሽሕ / ንካልኦቶም ብር 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ / ብናይ ስፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል::

  6. ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ሰነድ ጨረታ መግዝኢ 50.00::

  7. ንናይ ፅሬት ,ኤሌክትሪክ , ስፖርት ዕጥቂ , ሕትመት , መከና ስፔር ብር 30.00::

  8. ኣብ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ቫት ተመዝጋቢ ኮይኑ ናይ ወርሒ ነሓሰ ዲክለር ዝገበረ::

  9. ተጫረቲ ዘድሊ ናይ ጨረታ ሰነድ ነንበይኑ ብምእሻግ ኦርጅናል ኣብ ሐደ ፖስታ ኮፒ አብ ካሊእ ፖስታ ታኣሽጉ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይካኣል::

  10. ተጫረቲ ወይ ከዓ ወኪላት ብዘይ ምቕራቦም ስነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ ኣይተኣናቐፍን ወይ ከይተኸፈተ ዝምለስ ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን::

  11. ናይ ተጫረቲ ሽም, አድራሻ , ክታምን ምሕተምን ክኣርፎ አለዎ::

  12. ተጫረቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምኻኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ሕጋዊ ዉዕሊ ክአስርን ናይ ዉዕሊ መኽበሪ 10 % ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ አለዎ::

  13. ቤት ፅሕፈትና ክሳብ 20 % ናይ ምዉሳክን ምቕናስን መሰሉ ሕሉዉ እዩ::

  14. ኩሎም ዕዳጋታትና በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ከቐርብ ዝኽእል ክኽዉነ አለዎ::

  15. ትራንስፖርት ዝምልከት ባዕሉ ሰዓረይ ኣካል ዝሽፍን ኮይኑ ናብ ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ኩሓ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ንብረቱ ኣታዊ ይገብር::

  16. እቲ ቤት ፅሕፈት ዘሐሸ ኣማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኩን ሙሉእ ብሙሉ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ::

  17. ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0348402132 ደዊልኩም ምሕታት ይካኣል::



     


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo