ሓፈሻዊ ሆስፒታል ውቅሮ ደ/ከ/ስራሕ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን ንዘለዎኦ መካይን ሰርቪስ ንምግባርን ንምዕጋን ናይ ጉልበት ዋጋ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ክኣስር ይደሊ፡፡

ሆስፒታል ዉቅሮ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ውቅሮ ደ/ከ/ስራሕ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን ንዘለዎኦ መካይን ሰርቪስ ንምግባርን ንምዕጋን ናይ ጉልበት ዋጋ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ክኣስር ይደሊ፡፡ 

ስለዚ ኣብ ታሕቲ ዝተጠቀሰ ረቋሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ሀ. ተጫረትቲ ከማልእዎ ዝግባእ ነጥብታት/ረቋሒታት/

1. በቲ ዓውደ ስራሕ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከምኡ እውን ቲን ናምበርን ኣብ ትልምን ፋይናንስን  ብመቅረባይነት ዝተመዝገቡን ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

2. ቫት ተመዝጋቢ ምኳኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፡፡

3. ንጨረታ መክበሪ ትሕጃ ንሕድሕድ ዘርፊ ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ/CPO/ ከትሕዝ ዝክእል

4. እዚ ጨረታ ሰዓራይ ምኳኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል

5. ጨረታ ዝሰዓረ ውዕሊ እንትኣስር ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ንውሕስና ኣፈፃፅማ ስራሕ መኽበሪ ውዕሊ/ ከትሕዝ ዝክእል።

6. ንናይ መኪና ሰርቪስ ንምግባርን ንምዕጋን ናይ ጉልበት ዋጋ ተጫረትቲ ካብ ዝተመልአ ዝርዘር ጠቅላላ ዋጋ ድምር ዝተሓተ ብምውሳድ ሰዓራይ ዝኸውን ምኳኑ ኣሚኖም ክወዳደሩ ዝክእሉ

7. ንናይ መኪና ሰርቪስ ንምግባርን ንምዕጋን ናይ ጉልበት ዋጋ ተጫረትቲ ጥራሕ ዝተሓደሰ ናይ ሞያ ብቅዓት ደረጃ ሰርቲፊኬት ከቅርቡ ግዴታ ኣለዎም ፡፡

8. እዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ጋራዥ ሆስፒታልና እተን ዘለዎኦ መኻይን ንፅገና (ሰርቪስ)ኣብ ዝደለየሉ እዋን ደብዳቤ እናፀሓፈ እስካብ ሰነ 30/2017 ዓ/ም ውዕሊ ብምእሳር ሰርቪስ ክህብን ክፅግንን ዝክእል ምኳኑ

9. ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 08/02/2017 ዓ/ም እስካብ ዕለት 18/02/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ዘይምለስ ንሕድሕድ ዘርፊ ብር 100 ከፊልካ ካብ ውቅሮ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ደ/ከ/ስራሕ ዕደ/ፋይ/ ንብ/ምም/ርን ምውሳድ ይከኣል

10. እዚ ጨረታ ዕለት 18/02/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 4፡30 ይኽፈት

11. ተጫረቲ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዋጋ ኣቀሚጦም ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ኦፒን ኦሪጂናልን ኢሎም በበይኑ ከቅርቡ ይግባእ

12. ተጫረትቲ ኣብ ዘቅርብዎ ዶኩመንት ሽሞምሽም ትካሎም ፈርመኦምን ማህተምን ከዕርፉ ኣለዎም

ሊ ናይ ተረትቲ መምርሒ

1. እቲ ጨረታ ብዝተፈላለየ መልክዑ ከዛብዑ ዝፍትኑ ተጫረትቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ጾሩ ንቐፃሊ ከይሳተፍ ይገብር

2. ተረትቲ ድሕሪ ሳፁን ምኽፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ እውን ንዝበለ ዘትሓዞ ትሕጃ ኣይምለሰሉን/ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኸውን/

3. ተጫረትቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ ሕቶ መብርሂ / ወይ መማሓየሺ እንተሃልይዎም ናይ ጨረታ መኽፈቲ 5 መዓልቲን ልዕሊኡን እንትተርፎ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብፅሑፍ ከቅርቡ ዝኽእሉ ምኳኖም

4. ሰነድ ጨረታ ካብ ናይ ባዕልና ቅጥዒ ወፃኢ ምጥቃም ኣይፍቀድን

5. ሰዓራይ ምኳኑ ዝተነገረሉ ተጫራታይ እቲ ውዕሊ ክሳብ ዕለት 30/10/2017 ዓ/ም ውዕሊ ዝኣስር /ዝፀንዕ/ ኮይኑ ከከም ኩነታቱ ብናይ ተወዓዓልቲ ወገናት ስምምዕነት ዘቋርፅ ወይ ዝቅፅል ምኳኑ ክፍለጥ ኣለዎ

6. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430057/157 ደዊልካ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo