ቤት ፅሕፈት ትልምን ፈይናንስ ወረዳ መደባይ ዛና ንቤት ፅሕፈት ሕርሻን ገጠል ልምዓትን ከይዲ ስራሕ ቀረብ እታወታትን ፍርያት ሕርሻን ዝዉዕል መዳበሪያ ካብ ሰለክለካ :ፃዕዳ ላክን: ዛናን ናብ ዝተፈላለዩ ጣብያ ከጎዕዝ ንዝክእሉ ሕጋዊያን ነጋዶ ናይ ደረቅ ፅዕነት መካይን በዓል ንብረታት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከፅዕን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፈይናንስ ወረዳ መደባይ ዛና

1 ናይ 2008 ዓም ግብሪ ከፊሎም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግደ ከቅርብ ዝክእል

2 መፍለይ ቁፅሪ ከፈላይነ ግብሪ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክቅርብ ዝክእል

3 ፍቃድ ንግዶም ደረቅ ፅዕነት ዝብል ዘለዎን ሌብሬ ብቅዳሕ ከቅርበ ዝክእል

4 ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናስን እቲ ወረዳ ቢሮ ቁፅሪ 14 ዝዕድጉ

5 መክበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ 5000 ቅርሺ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

6 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 17 ሚያዝያ 2008 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:30

ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

7 ሰዓራይ ምሉእ ናይ ማይ መከላኪ ኬንዳ ዘለዎ ባዕሉ ቆፂሩ ተረኪቡ ናብ ጣብያ ከብፅሕ ዝክእል ኣብ መንገዲ ዝኮነ ይኩን ሐደጋ ምጥፍፋእ መዳበሪያ እንተጋጢሙ ናይቲ ንብረት ግምት ባዕሉ ሓላፍነት ክወስድ ዝክእል ናብቲ ዝተበሃለ ቦታ መኪና እነተዘይትአትዎ እንተኮይና ብናይ ባዕሉ ኪሳራ ግመል ወይድማ ኣድጊ ተካርዩ ከጎዕዝ ዝክእል

8 ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳር ጣብያታት ብዝጠልቦ መሰረት ኣብ ዝፀወዕናዩ ከጎዓዓዝ ዝክእል

9 ኣብቲ ዉዕሊ ዝአስርዎን ዘጎዓዝዎን መደባሪያ ናይ መጠን አፋላላይ እንተሃሊዩ ብዝጎዝዎ መጠን ክክፈል ዝክእል

10 ሰዓራይ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ኣብቲ ዝተአዘዞ ግዜ ናብ ዝተአዘዞ ቦታ ከጎዝ ዝክእል Â Â

11 ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ሰነድ ጨረታ ንፁር ዘይኮነ ቅዳሕን ዘቅርብ ተጫረቲ ተቀባልነት የብሉን

12 ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ማህተምን ፌርማን ክገብረሉ አለዎም

13 ናይ መጎዓዚ ገንዝብ መፅዓንን መራገፍን ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ

14 እቲ ቤት ሕፈት ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰለ አለዎ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0347760316 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo