ማሕበር ኣክስዮን ኤሌክትሮኒክ ቴክኖሎጅስ ኣለናቴክ ናይ ሓደ በጀት ዓመት ሒሳብ ምንቅስቃስ ብደገ ኦዲተር ኦዲት ከግብር ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ውልቀ ኦዲተራትን ኦዲት ትካላትን ንክትሳተፉ ንዕድም።

ማሕበርና ማሕበር ኣክስዮን ኤለክሮኒክ ቴክኖሎጂስ ኣለናቴክ

Ref. No: ALT_HQ_CA/10/1172/17 

ዕለት/Date፡ 01/02/2017ዓ.ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ስራሕቲ ኦዲት

ማሕበር ኣክስዮን ኤሌክትሮኒክ ቴክኖሎጅስ ኣለናቴክ ካብ ዕለት 01/11/2015ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30/10/2016ዓ/ም ዘሎ ናይ ሓደ በጀት ዓመት ሒሳብ ምንቅስቃስ ብደገ ኦዲተር ኦዲት ከግብር ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ውልቀ ኦዲተራትን ኦዲት ትካላትን ንክትሳተፉ ንዕድም።

ተጫረትቲ ከማልኡዎም ዝግባእ ረቓሒታት፡

1) ንማሕበርና ኦዲት ንምክያድ ዘኽእል ብርኪ ሓደ ወይ ክልተ ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቕዓት ሞያ ዘለዎም፤

2) ናይ 2016ዓ/ም ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቕዓት ሞያን ዘሐደሱን ንግዲ ምዝገባ፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ (ተመዝጋቢ ንዝኾንኩም)፣ መለለይ ግብሪ ከፋላይነት (TIN)ን ካልኦት ንጨረታ ዝጠቕሙ መረዳእታታት ምስ ዋና ዝተገናዘበ ፎቶ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል፤

3) ኦዲት ዝግበር ሒሳብ ኣብ መቐለ ኣለናቴክ ዋና ቤ/ት ፅሕፈት ምኻኑ ፈሊጡ ንምስታፍ ፍቓደኛ ዝኾነ፤

4) ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ኤሌክትሮኒክ ቴክኖሎጅስ ኣለናቴክ (ህንፃ ዋና ቤ/ት ፅ/ት ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ 2 ደብሪ) ካብ ዕለት 02/02/2017ዓ/ም ክሳብ 11/02/2017ዓ/ም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ወይ ድማ ብኢ-ሜይል info@allenatech.net ብምሕታት ምርካብ ይኽእሉ፤

5) ተጫረቲ ሰነድ ቴክኒክ ብምርኣይ፣ ሰነድ ጨረታ ፋይንናንሻል መወዳደሪ ቅጥዒ ብዝግባእ ብምምላእ ደጋፊ መረዳእታኦም ምስ ዋና (ኦሪጅናል) ብምግንዛብ ፋይናንሻል (ዋጋ) መወዳደሪ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብዝግባእ ተዓሺጉ ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ድማ ናይ ተጫራቲ ሽም፣ ኣድራሻ፣ ፊርማ፣ ዋናን ኮፒን ተባሂሉ ተፃሒፉሉን ማህተምን ፊርማን ዓሪፉዎን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ክሳብ ዕለት 11/02/2017ዓ/ም ሰዓት 10፡00 ከእትው ኣለዎም።

6) እቲ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዕለት 11/02/2017ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 10:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 10:30 ተጫረቲ ወይ ደ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት፤ ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም ቤት ዕዮና ናይ ጨረታ ፖስታ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

7) ቤት ዕዮና ዝሓሽ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ

ንተወሳኪ ሓበሬታ፣ ኣብ ታሕቲ ብዘሎ ኣድራሻ ኣለናቴክ ምሕታት ይከኣል።

+(251)901 98 97 67 | +(251) 929 25 25 25

TDA HQ Building, 2nd Floor

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo