ማይጨዉ ቤት ህንፀት ማእኸል ንህንፃ መስርሒን ንፅጉማት ሕጊ ተሃነፅቲ መደቀሲ ፍራሽን ግልጋሎት ዝዉዕሉ ንብረታት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ንዝምልከተኩም ምቅረብቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም

ማእኸል ቤት ህንፀት ማይጨዉ
  • ምድብ 1 ህንፃ መሳርሒ
  • ምድብ 2 እምኒን ፀፀርን
  • ምድብ 3 ባሕርዛፍ
  • ምድብ 4 ፍራሽ

ነጋዶ ከማልእዎ ዝግባእ ረቐሒ

1 ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ናይ ግበሪ ኸፋላይ መለለይ ቁፅሪን ናይ መቅረባይነት መለለይ ካርዲን መረዳእታ ዘቅርብ

2 ተወሳኪ እሴት ታክሲ /ቫት/ ተመዝጋቢ ዝኾነ ናይ ወርሒ ለካቲት ዝኸፈለሉ ወርሓዊ ድክለሬሽን ዘቅርብ ናይ ባህርዛፍ መቅረብቲ ዝኮኑ ግና ቫት ዘይብሎም እዉን የሓዉስ እዩ

3 ንሕድሕድ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 11/08/2008 ዓ/ም ክሳብ 26/08/2008 ዓ/ም ዘይምለሰ ብር 20.00 ብምክፋል ካብ ቤት ህንፀት ማይጨዉ ፋ/ዕ/ንብ/ ምም /ርን ቢሮ ቁፅሪ 5ተ ምዉሳድ ይከኣል

4 መኽበሪ ጨረታ ንምድብ 1, 2, 4 ንሕድሕዶም ብር 3000.00 : ንምድብ 3ተ ብር 2000 ክልተ ሽሕ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዘዚ ክፍሊት ቸክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ወሕስና ባንኪ ወይ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሬዲት አቀዲሙ ከትሕዝ ዝክእል

5 ተወዳደርቲ ዝትመልእ ጨረታ ሰነድ ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣብ ማይጨዉ ቤት ህንፀት ፋ/ዕ/ንብ/ ምም /ርን ቢሮ ቁፅሪ 5ተ ምአታዉ ይከኣል

6 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 26/8/2008 ዓም ሰዓት 6:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 8:00 ቀትሪÂ Â ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብዝተረከብሉ ይክፈት ብዘምርካቦም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን

7 መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 15ተ ናይ ስረሕ መዓልቲ ይከዉን

8 አሸናፊ ዝኾነ መቅረባይ ዉሳነ ጨረታ ካብ ዝፀደቀሉ ዕለት ድሐሪ ናይ 3ተ ናይ ስራሕ ማዓልቲ ዉዕል ከአስር ዝክእል ዉዕል እንተዘይኣሲሩ ንጨረታ መኽበሪ ገንዝብ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይከዉን

9 አሸናፊ ዝኾነ ዘሸነፎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ15 ተካታታሊ መዓለቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ማይጨዉ ቤት ህንፀት ማእከል ከቅርብ ዝክእል

10 መስራቤትና ኣብ በዝሒ ንብረት 20% ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ሕሉዉ እዩ

11 መስራቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

  ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 0347770276 ወይ 0348770046 /0914106000 ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo