ሆስፒታል መቐለ ናይ ሕሙማት ምግቢ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ኣብዚኣቶም ንክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትወዳድሩ እናዓደምና ተጫረቲ ክትማልእዎ ዝግባእ::

ሆስፒታል መቐለ

ሆስፒታል መቐለ ናይ ሕሙማት ምግቢ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ኣብዚኣቶም ንክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትወዳድሩ እናዓደምና ተጫረቲ ክትማልእዎ ዝግባእ::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቆሒ

  • ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ቲን ናምበር " ኣብ ሐዱሽ መቅረብቲ ዝርዝርን ዝተመዝገቡ ምኻኖም ዝገልፅ ናይ ቐረባ ግዜ ዲክለረራንስ ዘለኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቅርቡ ዝክእሉ::

  • ቫት ተመዝገብቲ ክኮኑ ይግባእ

  • ጨረታ ሰነድ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ምዉሳድ ዝክእል ኮይኑ መግዝኢ ሰነድ ጨረታ ድማ ብር 30 እዩ ::

  • ናይ ተጫረቲ ሽምን አድራሻን ከምኡዉን ማህተም ፌርማን ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ክግለፅ አለዎ ::

  • ናይ ጨረታ መክበሪ (CPO) ብር 3000 ከቅርቡ ዝክእሉ::

  • ተጫረቲ ዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ነዚ ተባሂሉ ተዳልዩ አብ ዝወሃቦ ቅጥዒ ተመሊኡ ከቅርብ አለዎ እንተዘይኮይኑ ተቐባልነት የብሉን::

  • እቲ ጨረታ ዕለት 10/ 02/ 2007 ዓ/ም ሰዓት 5:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፂዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫራቲ ወይ ሕገዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ይክፈት::

  • ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ብናይ መቕረቢ ብክልት ቕዳሕ ኮይኑ ነናይ ባዕሉ ኢንቨሎፕ ብዝተዓሸገ ሽምዒ ክከዉን ኣለዎ

  • ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ብናይ ሆስፒታልና ዘዳለዎ ሰነድ ክከዉን ኣለዎ ካብዚ ወፃኢ ተቀባልነት የብሉን

  • ተጫረቲ ሰዓራይ ምኮኑ ካብ ዝፍለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክአስር ዝክእሉ

  • ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ሆስፒታልና ኣታዊ ክገብር ዝክእል

  • ተጫረቲ ንዝሰዓርዎም ኣቐሑት ብእዋኑ እንተዘይ ኣቕሪቦም ብመምርሒ ዕዳጋ ስጉምቲ ይዉሰድ

  • ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታ አብ ሆስፒታል መቐለ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብ /ምም /ርን ቢሮ ቑፅሪ 62 ይከዉን::

  • ተጫረቲ ዘቅርብዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጋዓዓዚ የቅርቡ::

  • ቤት ዕዩና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

  • ካልኦት አብዚ ምልክታ እዚ ዘየተገለፁ ረቓሒታት በመምርሒ ዕዳጋ 2003 ዓ/ም መሰረት ተገዛኢ ዝኽዊን ተጫራታይ ::  

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo