ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ካብዚ ንታሕቲ ብዝርዝር ንዝተገለፁንብረት ማለት ውን

ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ

ሎት 1. ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት

ሎት 2. ናይ ፅሕፈት መሳርሒ

ሎት 3. ናይ ፅሬት ኣቑሑት

ሎት 4. ናይ ቢሮ ኣቑሑት

ሎት 5. ኤሌክትርክ ኣቑሑት

ሎት 6. ናይ ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት

ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ. በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ክተማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ

 

  1. ብተዛማዲ ስራሕ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣ ናይዚ ዘመን ግብሪ መንግስቲ ዝኸፈሉን ንግድ ፍቓድ ዝሐደሱ፣ ቲን ቑፅሪ ዘለዎ ናይ ቫት ዝተመዝገበን ምዃኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ቀርሒ ሕዳር 2006 ናይ ቫት ዲክለር ዝገበሩ መረደኣእታ ኣብ ጨረታ ሰነድ ክተሓሓዝ ኣለዎ።

  2. ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ኣብ ምምርሒ ጨረታ ዝተጠቐሰ ብብር ወይ ብሲ.ፒ.ኦ ክትሕዙ ዝኽእሉን ኦሪጅናልን ፎቶ ኮፒን ናይ ጨረታ ዶኩመንት ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ክቕርብ ዝኽእሉ

  3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዶኩመንት ካብ ዕልት 06/05/2006 ጀሚሩ ካብ ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ቢሮ ቑፅሪ 01 ብምምፃእ ንሕድሕድ ሎት ዘይምለስ ብር 20 ብምኽፋል ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዶኩመንት ክሳብ ዕለት 21/05/2006 ዓ/ም ሰዓት 400 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ስራሕ ሰዓት ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨራታ ሳንዱቕ ምእታው ይከኣል ‘ዩ።

  4. ኣብ ዝቀረበ ናይ ጨረታ ዶኩመንት ኣብ ሕድ ሕድ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይቲ ትካል ክህልዎ ኣለዎ

  5. እቲ ጨረታ ዕለት 21/05/2006 ዓ/ም ሰዓት 400 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት እዙይ ሰዓት 430 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘተረኸብሉ ይኽፈት

  6. ተጫረቲ ሰዓራይ ምስተፈለጠ ውዕሊ መኽበሪ 10% ብማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ሲ.ፒ.ኦ ክትሕዝ ኣለዎ

  7. እቲ ቢሮ ካብዚ ዝተዘርዘረ መጠን ንብረት ክሳብ 20% ናይ ምውሳክ ውይ ምቕናስ መሰል ኣለዎ

  8. ተጫረቲ ግለፂ ኣብ ዘይኮኖሎም ነጥብታት መብርሂ ወይም መመሓየሺ ሓሳብ ክቕርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን ቕድሚ ምብፅሑ ይኸውን

  9. እቲ ቢሮ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምዝራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ፋይናንስ ፣ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳር ምሕታት ይከኣል እዩ።

ኣድራሻ ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ

ስልኪ ቁፅሪ 0344-416122

ኣብ ቢሮ ሕርሻን ገፀርን ክልል ትግራይ ግቢ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo