ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሰቲት ሑመራ ንኣብያተ ፅሕፈት ከተማ ሰቲት ሑመራ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፡ ዝተፋላለዩ ሕትመታት ፡አቁሑት ፅሬትን ፡ኤለክትሮኒክስ ፡ኮምፒተርን ኮምፒተር ኣክሰሰሪ መለዋወጢ ኣቁሑተ ዓበይትን አናእሽተይ መካይን፡ሓደሽቲ TVS ሞተርን በዓል ሰለስተ እግሪ ባጃጅ ፡ናይ ስፖርት ዕጥቅታትን ፈርኒቸርን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሰቲት ሑመራ

ንዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ተወዳደርቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚርኩም ሰነድ ጨረታ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ምዉሳድ ትክእሉ

  1. ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈልኩምሉ ንግዲ ፍቃድኩም ዉን ዘሐደስኩም ምካንኩም ናይ መረጋገፂ ዋናን ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ
  2. ቲን ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ዋናን ምስዘይምለስ ቅዳሕ ክተቅርቡ ይግባእ
  3. በቲ ዘርፊ ኣቅረባይነት ዝተመዝገብኩም
  4. ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም
  5. ናይ ወርሒ ለካቲት 2008 ዓምÂ ዲክላራሸን ክተቅርቡ ይግባእ
  6. ተጫረቲ ናይ መክበሪ ዉሕስና ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ክተትሕዙ ይግባእ
  7. ተጫረቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ብበዓልኩም መጋዕዝያÂ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሰቲት ሑመራ ክተቅርቡ ይግባእ
  8. ተጫራታይ ዝጫረተሉ ዋጋ ኣብ ዝገዝኦ ዋናን ናይ ጨረታ ሰነድ መሊእኩም ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምግባር እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ 15 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልትታት ንዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ምእታዉ ይከኣል
  9. እቲ ቤት ፅሐፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ 20 ሚኢታዊ ካብ ዉዕሊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰል ኣለዎ
  10. ተጫረቲ ነቲ ጨረታ ንምዉሳድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቢሮ ትልምን ፋይንናንስን ከተማ ሰቲት ሑመራ ክፍሊ ቁፅሪ 25 መፂእኩም ምዉሳደ ትክእሉ
  11. ናይቲ ጨረታ ዉሕስና ኣብ ሕድሕድ ሎት መደበኛ ሰነድ ጨረታ ገፅ 10 ኣብ ዝተዘርዘሩ ከትሕዝ ዝክእል ቤት ፅሕፈት ብዘዳለዎ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ብምምላእ ናይቲ ትካል ሕጋዊ ማህተም፣ ፊርማ፣ ኣድራሻ ፣ሽምን፣ ቁፅሪ ስልክን ዘይቅርብ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
  12. እቲ ተጫራታይ ኣብ ዝጫረተሉ ሰነድሓደ ዋናሓደ ቅዳሕ ነንበይኑ ዘቅርብን ብተዋሳኪ ነንበይኖም ብዝተዓሸገ ኮይኖም ኣብ ሕድሕድ ፖስታ Â ናይቲ ትካል ሕጋዊ ማህተም፣ ፊርማ፣ ኣድራሻ ፣ሽምን፣ ቁፅሪ ብምግባር ክልቲኡ ብሓደ ዓብዩ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ዓብዩ ፖስታ ናይቲ ትካል ሕጋዊ ማህተም፣ ፊርማ፣ ኣድራሻ ፣ሽምን፣ ቁፅሪ ብምግባር ምቅራብ ዝክእል
  13. ናይ ዝገዝኦ አቁሑ ስፐስፊኬሽን ምስ ሰነድ ጨረታ ተተሓሒዙ ይርከብ
  14. እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ክሳብ ዕለት 18 ሚያዝያ 2008 ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 3 ፡00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3 ፡30 ናይ ንጉሆ ሕጋዊ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  15. ናይዚ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ 45 መዓልትታት እዮ
  16. ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት አብ ዉሽጢ 15 ተከታተልቲ ማዓልትታት ከቅርብ ይግባእ
  17. ተጫረቲ ንዝወዳደርሉ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ናይ ተጫራታይ ፊርማ ዘይብሉ እንኮይኑ ተቀባልነት የብሉን
  18. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዊ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344480062/63 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo