ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ንብረታት ማለት እዉን ቀዳማይ ናይ ስቲድዩ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ካልኣይ ናይ ላፕቶፕ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ከስርሕን ይደሊ ይደሊ

ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

1 ናይ 2016 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን

2 ናይ ወርሒ መጋቢት ሚያዚያን 2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክሊር ዝገበርሉ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ዉሕስና ጨረታ 100, 000.00 / ሚኢቲ ሽሕ ቅርሺ / ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ካብ ባንኪ ዝተዉሃበ ዝተረጋፀ ቼክ ከቅርብ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 17 ሰነ  2016 ዓም ክሳብ 27 ሰነ 2016 ዓም ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ  ኣብ ሳልሳይ ደብሪ ዝርከብ ቢሮ ቁፅሪ 308 ደኩመንት ክትወስዱ ትክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻል ቴክኒካልን ብክልቲኡ መሊእኩም ብሽምዒ ብክልተ ዝተዓሸ ፖስታ ናብ ቢሮ ቁፅሪ 409 ክተቅርቡ ትክእሉ ምካንኩም ንሕብር

6 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋሐወሉ 17 ሰነ 2016 ዓም ጀሚሩ ን 10 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ብምፅናሕ 27 ሰነ 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ አብ 4 ደብሪ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 404 ይክፈት

7 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ኣሲሩ እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ የረክብ

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344410544 ወይድማ 0344410546

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo