ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣብ 2016 በጀት ዓመት ዝተዘርዘሩ ንኣገልግሎት እቲ ቤት መዘጋጃ ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት : ናይ ገዛን ቢሮን ኣቅሑት: ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ኣቅሑት ፅሬትን: ኣቅሑት ሕትመትን: ናይ ገንዘብ መትሓዚ ካዝና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ፋይናንስ ቤት ማዛጋጃ ክ/ከተማ ሰሜን

1 ተወዳደርቲ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ወረቀት መቅረባይነት ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ ወረቀት ምስክር

 2 ናይ ቀረባ እዋን ሒሳብ ዘወራረድክምሉ መረዳእታ ዋና ሰነድን ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ሰሜን ካብ 6/ሰነ /2016 ዓም ክሳብ 20/ሰነ/2016 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘይምለስ 150 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

4 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ኣብ ነብሰ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ድማ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ከህልዎ ይግባእ

5 መከበሪ ጨረታ ዝምልከት ንመሳርሒ ፅሕፈት 15000 ቅርሺ : ናይ ገዛን ቢሮን ኣቅሑት 5000 ቅርሺ:  ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 8000 ቅርሺ : ኣቅሑት ፅሬት 3000 ቅርሺ:  ኣቅሑት ሕትመትን 5000 ቅርሺ:  ናይ ገንዘብ መትሓዚ ካዝና 3000 ቅርሺ ብስፒኦ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ  ብሽም ቤት ፅሕፈትቤት መዘጋጃ  ክፍለ ከተማ ሰሜን ከትሕዝ ዝክእል

6 እቲ ጨረታ 21/ሰነ/2016 ዓም ሰዓት 3: 30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4: 00 ኣብ ትልምን ፋይናንስን ክፈለ ከተማ ሰሜን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉዎ ይክፈት

7 መክፈቲ ጨረታ ቀዳምን ሰንበትን ወይ በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል መዓልቲ ዝክፈት ይከዉን

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ጨረትኦም ብክልተ ፖስታ ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ብምዕሻግ ንክልቲኡ ድማ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምዓሻግ ከቅረቡ ዝክእሉ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ቅድሚ ዉዐሊ ምእሳሩ 20 ሚእታዊ ክዉስክን ክንኪን ይክእል እዩ

10 ሰዓራይ ጨረታ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር በቲ ዝወፀ ዝርዝር መዓቀኒ መሰረት ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ኣትሒዙ ብዝኣተዉ ዉዕሊ መሰረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያን መራገፍን ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብባዕል ሞያ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ክፈለ ከተማ ሰሜን ምስተረጋገፀ ናብ ክፍሊ ንብረት ኣታዊ ዝገብር

10 ኣብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

11 ዝኮነ ይኩን ተወዳዳራይ በቲ ቤት ዕዩ ዝተዳለወ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ብክፋል ምቅራብ ኣይከኣልን

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0342415476

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo